Fana: At a Speed of Life!

ልኡኽ ውሽጣዊ ጉዳያት ድሕንነት ደቡብ ሱዳን ኣብ ኤጀንሲ መርበብ ሓበሬታን ድሕሕነትን ዑደት ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 10 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ብዋና ዳይሬክተር ውሽጣዊ ጉዳያት ድሕንነት ደቡብ ሱዳን ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ምስ ኣመራርሓታት ኤጀንሲ መርበብ ሓበሬታን ድሕሕነትን ተዛቲዩ።

እቲ ዘተ ብዋንኡ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ጉዳይ መርበብ ሓበሬታን ድሕንነትን ብሓባር ንምስራሕ ኣብ ዘኽእሉወን ዛዕባታት ዘተኮረ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ደቡብ ሱዳን ናፅነታ እንትትረክብ ግደ ኢትዮጵያ ዕዙዝ ከምዝነበረ ዘገለፁ ዋና ዳይሬክተር ውሽጣዊ ጉዳያት ድሕንነት ደቡብ ሱዳን ኣኮል ኩር፥ ሕዚ እውን ዝተጠናኸረ ድሕንነት መርበብ ሓበሬታ ንኽህልዋ ኣብ ምግባር ግደ ኢትዮጵያ ልዑል ከምዝኸውን ገሊፆም፡፡

ዋና ዳይሬክተር ኤጀንሲ መርበብ ሓበሬታን ድሕሕነትን ዶክተር ሹመቴ ግዛው ብግደኦም፥ መርበብ ሓበሬታን ድሕንነትን ደቡብ ሱዳን ብምጥንኻር ኣብ ህንፀት ሓይሊ ሰብ፣ ኣብ ልምዓትን ኣሰራርሓን ምዝርጋሕ ስርዓት ቴክኖሎጂን ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእሉ ጉዳያት ኣድሂቦም ምዝታዮም ገሊፆም፡፡

ሃገራዊ ይኹን ዞባዊ ድሕንነት መርበብ ሓበሬታ ንምርግጋፅ ሃገራት ብሓባርን ብምውዳድን ክሰርሓ ከምዝግባእ ምግላፁ ካብቲ ኤጀንሲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.