Fana: At a Speed of Life!

ልኡኽ ፐብሊክ ዲፕሎማሲ ጅቡቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ክገብር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ጉጅለ ልኡኽ ፐብሊክ ዲፕሎማሲ ጅቡቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ከምዝገብር ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣፍሊጡ።

ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር መለስ ኣለም ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ÷ 112 ኣባላትን ዝሓዘ ልኡኽ ፐብሊክ ዲፕሎማሲ ጅቡቲ ካብ 25 ክሳብ 30 ሰነ 2015 ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ክገብር ኢዩ ኢሎም።

ናብ ኢትዮጵያ ዝመፅኡ ኣባላት ጉጅለ ልኡኽ ፐብሊክ ዲፕሎማሲ÷ ካብ ምሁራን፣ ጋዜጠኛታት፣ ዓበይቲ ዓዲ፣ ፅዕንቶ ፈጠርቲ ውልቀሰባትን ካልኦት ክፋላት ሕብረተሰብን ዘካተተ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ ዝህልዎ ፃንሒት ልዝባት ህዝቢ ምስ ህዝቢን ተሳትፎ ተኸላ ፈልሲ ሓምለዋይ ኣሰርን ከምዝገብር እውን ተዛሪቦም።

እቲ ልኡኽ ናብ ኢትዮጵያ ምምፅኡ ምስ ምህናፅ ምስሊ ሃገር ፅቡቕ ኣስተዋፅኦ ከምዝፃወት ዝገለፁ ኣምባሳደር መለስ÷ ኣብ ህንፀት ምስሊን ኢኮኖሚያዊ ዲፕሎማሲን ትኹረት ተገይሩ እናተሰርሐ ይርከብ ምባሎም ግዜኢ ፀብፂቡ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.