Fana: At a Speed of Life!

ልዑል ገበን ግዕዝይና ተፈፂሙሎም ተባሂሎም ኣብ ልዕሊ ዝተጠርጠሩ ትካላት ዝተገበረ መፅናዕቲ ተዛዚሙ – ብሄራዊ ኣገልግሎት መርበብ ሓበሬታን ድሕንነትን

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ልዑል ገበን ግዕዝይና ተፈፂሙሎም ተባሂሎም ኣብ ልዕሊ ዝተጠርጠሩ ትካላት ዝተገበረ መፅናዕቲ ምዝዘዛሙ ብሄራዊ ኣገልግሎት መርበብ ሓበሬታን ድሕንነትን ኣፍሊጡ።

ዋና ዳይሬክተር እቲ ኣገልግሎት ኣይተ ደመላሽ ገብረሚካኤል፥ ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ንምቁፅፃር ዘይሕጋዊ መሳርሒታት ኲናትን ዝውውር ገንዘብን ዘኽእሉ መረዳእታታት ንዝምለከቶ ኣካል ኣብ ምቕራብ ዕዉት ስራሕ ከምዝተሰርሐ ገሊፆም።

ኣብ ምክልኻል ኢኮኖሚያዊ ሽርሒታት ብዝምልከት፥ ስወራ ግብሪ፣ ኮንትሮባንድን መሸጣ ፍርያት ጨውን ዝተሰርሑ ሽርሒታት ብምፅራይ ሓበሬታ ምቕራቡ ተዛሪቦም።

ምስ ምሕባእ ግብሪን ስርቂ ሃፍቲ መንግስቲን ተተሓሒዙ ልዕሊ ፍርቂ ቢሊየን ብር ሃፍቲ ከድሕን ዝኸኣለ ስራሕ ከምዝተሰርሐ እውን ገሊፆም።

እቲ ኣገልግሎት፥ ልዑል ገበን ግዕዝይና ተፈፂሙሎም ተባሂሎም ኣብ ልዕሊ ዝተጠርጠሩ ትካላት መፅናዕቲ ኣገባዲዱ ንመንግስቲ ከምዘረከበ እውን እቶም ዋና ዳይሬክተር ኣፍሊጦም።

ብሄራዊ ኣገልግሎት መርበብ ሓበሬታን ድሕንነትን ናይ ሽም ለውጢ ከምዝገብር ዝገለፁ ኣይተ ደመላሽ፥ ብሄራዊ ኣገልግሎት መርበብ ሓበሬታን ድሕንነትን ዝብል ሽም ናብ ብሄራዊ ማእኸል ሓበሬታ (ኤን ኣይ ሲ) ንኽመሓየሽ ዝሓትት ኣዋጅ ከምዝተሰናድአ ኣብሪሆም።

እቲ ኣዋጅ፥ ካብ ፅግዕተኝነት ፖለቲካ፣ ብሄርን ሃይማኖትን ዝረሓቐ ናፃ ትካል ሓበሬታን ድሕንነትነን ንምፍጣር ካብ ዝስርሑ ስራሕቲ ምምሕያሻት ሓደ ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.