Fana: At a Speed of Life!

ልዕሊ 15 ሺሕ ደቂ ኣንስትዮ ዝተሳተፋሉ ውድድር ጉያ 5 ኪሎ ሜትሮ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ልዕሊ 15 ሺሕ ደቂ ኣንስትዮ ዝተሳተፋሉ መበል 21 ዙር ውድድር ጉያ 5 ኪሎ ሜትሮ ቅድሚያ ንደቂ ኣንስትዮ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኻይዱ።

ኣብቲ ውድድር÷ ጉታኒ ሻንቆ 1ይቲ፣ ብርነሽ ደሴ 2ይቲን መቅደስ ሽመልስ 3ይቲ ብምውፃእ ዛዚመን፡፡

መበገሲኡን ነመዛዘሚኡን ኣብ ከባቢ ሆቴል ኣላስ አካባቢ ዝገበረ ውድድር ጉያ÷ “ዓቕሚ ደቂ ኣንስትዮ ንሓግዝ ነውጢ ነቀላጥፍ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኢዩ ተኻይዱ፡፡

ኣብቲ ውድድር÷ ኣትሌታት፣ ናይ ጥዕና ጎየይቲ ከምኡ እውን ኣምባሳደራት ተሳቲፎም፡፡

ን1ይ ደረጃ 70 ሺሕ ብር፣ 2ይ ደረጃ 45 ሺሕ ብር ከምኡ እውን ንሳልሳይ ደረጃ 30 ሺሕ ብር ሽልማት ገንዘብ ከምዝተሰናደአ እውን ተገሊፁ፡፡

ብወርቅነህ ጋሻሁን

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.