Fana: At a Speed of Life!

ልዕሊ 152 ሚሊየን ብር ግምታዊ ዋጋ ዘለዎም ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ተታሒዞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ልዕሊ 152 ሚሊየን ብር ግምታዊ ዋጋ ዘለዎም ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ከምዝተትሓዙ ኮሚሽን ጉምሩኽ ኣፍሊጡ።

እቲ ኮሚሽን ካብ 21 ክሳብ 27 ታሕሳስ 2015 ዓ.ም ብዝገበሮ ክትትል ኢዩ 61 ነጥቢ 1 ሚሊየን ዝኣትዉ ኣቑሑት ኮንትሮባንድን 91 ነጥቢ 3 ሚሊየን ብር ዋጋ ዘለዎም ናይ ወፃኢ ኣቑሑት ኮንትሮባድ ተታሒዞ ዘለዉ፡፡

ካብ ሞንጎ ዝተትሓዙ ኣቑሑት፤ ክዳውንቲ፣ ነዳዲ፣ ቀወምቲ እንስሳት፣ ኤሌክትሮኒክስ፣ ቡን፣ ኣፋውስ፣ ተሸከርከርቲ፣ ናይ ፅባቐ ናውቲን ኣፅዋር፣ መዕወኒ ሓሺሽን ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ገንዘብን ይርከቡዎ፡፡

እቶም ኣቑሑት ኮንትሮባነድ እናዘዋወሩ ዝተረኸቡ 111 ውልቀ ሰባትን ሸውዓተ ተሸከርከርቲን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ካብቲ ኮሚሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.