Fana: At a Speed of Life!

ልዕሊ 155 ሚሊየን ብር ዝግመቱ ኣቕሑት ኮንትሮባንድ ተታሒዞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሚሽን ጉምሩኽ ልዕሊ 155 ነጥቢ 2 ሚሊየን ብር ዝግመቱ ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ምሓዙ ኣፍሊጡ፡፡

ካብ ሞንጎ እዚ 131 ነጥቢ 9 ሚሊየን ብር ኣተውቲ ኣቕሑት ኮንትሮባንድ እንትኾኑ÷ 23 ነጥቢ 3 ሚሊየን ብር ዝግመቱ ናይ ወፃኢ ኣቑሑት ኮንትሮባንድ እዮም፡፡

ክዳወንቲ፣ ነዳዲ፣ ቀወምቲ እንስሳት፣ ኤሌክትሮኒክስ፣ ቡን፣ መድሓኒት፣ ተሽከርከርቲ፣ ኣቑሑት ፅባቐ፣ ጫት፣ መዕወኒ ሓሺሽ፣ ዘይቲ ብልዒን ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ገንዘባት ይርከቡዎም፡፡

እቶም ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ካብ 26 መስከረም ክሳብ 1 ጥቅምቲ 2016 ዓ.ም እቲ ኮሚሽን ብዝገበሮ ክትትል ከምዝተትሓዙ ካብቲ ኮሚሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.