Fana: At a Speed of Life!

ልዕሊ 186 ሺሕ ናይ ሕሶትዶላር ኣሜሪካ ብምሕታም ንምዝውዋር እናተዳለዉ ዝነበሩ ተጠርጠርቲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 24 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ምምሕዳር ከተማ ሃዋሳ ልዕሊ 186 ሺሕ ናይ ሕሶትዶላር ኣሜሪካ ብምሕታም ንምዝውዋር እናተዳለዉ ዝነበሩ ክልተ ተጠርጠርቲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ፖሊስ ኣፍሊጡ።

ኮሚሽነር ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ሲዳማ ኣበራ ኣሬራ ንግዜኢ ከምዝገለፁዎ፥ ተጠርጠርቲ ሎሚ ረፋድ ኢድ ንኢድ ተታሒዞም።

ካብ ሕብረተሰብ ዝተረኸበ ሓበሬታ መሰረት ብምግባር ብዝተኻየደ ዳህሳስ፥ ኣብታ ከተማ ብፀሊም ዕዳጋ ንምዝውዋር ተሊሞም ከምዝነበረን ከይዲ ሕትመት ዘይተዛዘመ ልዕሊ 186 ሺሕ ናይ ሕሶት ዶላር ኣሜሪካ ከምዝተረኸበ ኣፍሊጦም።

በቲ ገበን ተግባር ገበን ዝተጠርጠሩ ውልቀ ሰባት ኣብ ተውሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም ጉዳዮም ንምፅራይ ምርመራ እናተገበረሎም ከምዝርከብ እቶም ኮሚሽነር ተዛሪቦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.