Fana: At a Speed of Life!

ልዕሊ 272 ሚሊየን ብር ዋጋ ዘለዎም ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ተታሒዞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ልዕሊ 272 ሚሊየን ብር ዋጋ ዘለዎም ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ከምዝተትሓዙ ኮሚሽን ጉምሩኽ ኣፍሊጡ፡፡

ነቶም ኣቑሑት ኮንትሮባንድ እናዘዋወሩ ዝተረኸቡ 14 ውልቀሰባትን ሸሞንተ ተሽከርከርቲን እውን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም፡፡

ኮሚሽን ጉምሩኽ ካብ 12 ክሳብ 18 ነሓሰ 2015 ዓ.ም ብዝገበሮ ክትትል ኣብ ዝተፈላለዩ ጨንፈር ኣቢያተ ፅሕፈት ኣቢሎም ዝተትሓዙ ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

ዝተተሓዙ ድማ 151 ነጥቢ 9 ሚሊየን ኣተውቲን 120 ነጥቢ 4 ሚሊየን ብር ዋጋ ዘለዎም ወፃእቲ ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ከምዝኾኑ ተሓቢሩ፡፡

ካብ ሞንጎ ዝተትሓዙ ኣቑሑት÷ ኣልባሳት፣ ነዳዲ፣ እንስሳት፣ ኤሌክትሮኒክስ፣ ቡን፣ መድሓኒት፣ ኣቑሑት ፅባቐ፣ ጦር መሳርሒታት፣ ጫት፣ መዕወኒ ሓሽሽ፣ ዘይቲ ብልዒን ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ገንዘብ ይርከቡዎም፡፡

ብፍተሻ፣ በረራን ብሓበሬታ ዝትሓዙ ከምዝኾኑ ካብቲ ኮሚሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.