Fana: At a Speed of Life!

ልዕሊ 28 ሺሕ ናይ ሕሶት ዶላር ኣሜሪካ ብመሓዝ እናተንቀሳቐሰ ዝተረኸበ ውልቀሰብ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ልዕሊ 28 ሺሕ ናይ ሕሶት ዶላር ኣሜሪካ ብመሓዝ እናተንቀሳቐሰ ዝተረኸበ ውልቀሰብ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ብምውዓል ምርመራ እናተገበረሉ ከምዝርከብ መምርሒ ፖሊስ ክፍለ ከተማ ቦሌ ኣፍሊጡ።

ተጠርጣሪ ብሰሌዳ ቁፅሪ ኮድ 2- C 32496 ኣ/ኣ ኣብ ዝኾነት ተሽከርካሪት 284 በዓል ሚኢቲ ኖትን (28 ሺሕን 400) ናይ ሕሶት ዶላር ኣሜሪካ ብመሓዝ እንትንቀሳቐስ ኣብ ክፍለ ከተማ ቦሉ ወረዳ 4 መክሊት ህንፃ ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ከባቢ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሉ።

ኣብ ውሽጢ ተሸከርካሪት ብዝተገበረ ፍተሸ ካብ ናይ ሕሶት ዶላር ብተወሳኺ ስታር ሽጉጥ ምስ ሸሞንተ ጠያይቲ ተታሒዙ ብምርመራ እናተፃረየ ከምዝርከብ ካብ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.