Fana: At a Speed of Life!

ልዕሊ 4 ሺሕ ፈተነታት መጥቃዕቲ ሳይበር ምፍሻል ተኻኢሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መጀመርታ መንፈቕ ዓመት እቲ በጀት ዓመት ከም ሃገር ካብ ዝተፈነዉ 4 ሺሕን 623 ፈተነታት መጥቃዕቲ ሳይበር እቶም 4 ሺሕን 493 ዝኾኑ ምፍሻል ከምዝተኻእለ ተገሊፁ፡፡

ዋና ዳይሬክተር ምምሕዳር ድሕንነት መርበብ ሓበሬታ ሰለሞን ሶካ÷ ኣፈፃፅማ ስራሕ ቀዳማይ መንፈቕ ዓመት በጀት ዓመት 2016 ኣመልኪቶም መግለፂ ሂቦም፡፡

ኣብ መግለፂኦም ድማ÷ ኣብ ዝተዛዘመ መንፈቕ በጀት ዓመት ከም ሃገር 4 ሺሕን 623 ሓፈሻዊ ፈተነታት መጥቃዕቲ ሳይበር ከምዝተፈነዉ ኣልዒሎም፡፡

ካብ ሞንጎ እዚ ድማ 4 ሺሕን 493 ፈተነታት መጥቃዕቲ ወይ እውን 98 ነጥቢ 56 ሚኢታዊ ምፍሻል ከምዝተኽኣለ ኣብሪሆም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.