Fana: At a Speed of Life!

ልዕሊ 51 ሚሊየን ብር ዝግመቱ ቆፎታት ሞባይልን መለዋወጢ መኪናን ተታሒዞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መቆፃፀሪ ጣቢያ ጉምሩኽ ኣዋሽ ጨንፈር ቤት ፅሕፈት ኣልበረከቴ ልዕሊ 51 ሚሊየን ብር ዝግመቱ 2 ሺሕን 233 ሞባይል ቆፎታትን መለዋወጢ መኪናን ከምዝተትሓዙ ኮሚሽን ጉምሩኽ ኣፍሊጡ።

እቶም ሞባይል ቆፎታት ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ መኪና ክፍሊታት ብዝተሰርሐ ሻግ ተሓቢኦም ክሓልፉ ዝፈተኑ እንትኾኑ÷ እቲ ተግባር ዝፈፀሙ ሰለስ ተጠርጠርቲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወሓሉ ካብቲ ኮሚሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ብተመሳሳሊ ኣብ ጥቕሚ ኣብ ዝወዓሉ ቁርፅራፅ ሓፃዊን ተሓቢኦም ዝነበሩ ዝተፈላለዩ መለዋወጢታት መኪና ምስ ክልተ ተጠርጠርቲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.