Fana: At a Speed of Life!

ልዕሊ 838 ግራም ወርቂ እናሓብኡን ዘዩሕጋዊ ጦር መሳርሒ ሒዞምን ዝተረኸቡ ተጠርጠርቲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልላት ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያን ጋምቤላን ልዕሊ 838 ግራም ወርቂ እናሓብኡን ዘዩሕጋዊ ጦር መሳርሒ ሒዞምን ዝተረኸቡ ተጠርጠርቲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን ኣፍሊጡ።

ኣብ ክልል ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ወረዳ ቢሮን ኣብ ክልል ጋምቤላ ወረዳ ዲማን 20 ክላሽንኮቭ ምስ 934 መሰል ጠያይቲ፣ 8 ሽጉጥ ምስ 54 መሰል ጠያይቲ፣ ክልተ ኤፍ ዋን ቦንቢታትን ሓደ ጂ ፒ ኤስን ከምዝሓዙ ተገሊፁ፡፡

ካብዚ ሓሊፉ ድማ 172 ዝተፈላለዩ ናይ ወርቂ ገይፀመይፂታት፣ ልዕሊ 838 ግራም መዓድን ወርቂ፣ 7 ማሽናት መምከኺ ወርቂ፣ 10 መምዘኒ ወርቂ፣ ልዕሊ 1 ሚሊየን 653 ሺሕን ብር ኣብ ዞባ ኣሶሳ መፈተሸ ጣቢያ ጉሙሩኽ ከምዝተትሓዙ ተገሊፁ።

ተጠርጠርቲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዝወዓሉ÷ ብዘይሕጋዊ መገዲ መዓድን ወርቂ ብምሕባእ ንውልቀ ረብሓኦም ንምውዓል ክብሉ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን ካብ ሕብረተሰብ ብዝረኸቦ ሓበሬታ መሰረት ብምግባር ኣብ ዞባ ኣሶሳ መፈተሸ ጣቢያ ጉሙሩኽ ብዝገበሮ ፍተሻ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብቲ ጣቢያ ብዝተገበረ ፍተሻ 20 ክላሽንኮቭ ጠመንጃ ምስ ልዕሊ 934 ጠያይቲን ሸሞንተ ዝተፈላዩ ሽጉጣት ምስ 54 መሰል ጠያይቲን፣ ክልተ ቦምባታትን ሓደ ጂፒ ኤስን ከምዝተትሓዙ ተገሊፁ፡፡

ብኻሊእ መዳይ መምርሒ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ብምጥሓስ ብብርኪ ውልቀ ሰብ ልዕሊ 1 ሚሊየን 653 ሺሕ ብር ሒዞም እናተንቀሳቐሱ ስለዝተረኸቡ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም ብምርመራ እናተፃረየ ይርከብ ተባሂሉ።

ሕብረተሰብ ኣብ መሰል ተግባራት ገበን ዝተዋፈሩ ውልቀ ሰባትን ጉጅለታትን ብምቅላዕን ኣሕሊፍካ ንኣካላት ፀፅታ ብመሃብን ሓላፍነቱ ንኽዋፃእ እቲ ግብረ ሓይሊ ፃውዒት ኣቕሪቡ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.