Fana: At a Speed of Life!

ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝተካየደ ፀዋታ ቤትኪንግ ፕሪሜርሊግ ኢትዮጵያ ጋንታ ኢትዮጵያ ቡና ተዓዊታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝተካየደ ፀዋታ ቤትኪንግ ፕሪሜርሊግ ኢትዮጵያ ጋንታ ኢትዮጵያ ቡና እንትትዕወት ጋንታታት ሰበታ ከነማን ጅማ ኣባ ጅፋርን ድማ ማዕረ ተፈላሊየን።

ሎሚ መዓልቲ ረፋድ ኣብ ዝተኻየደ ትፅቢት ዝተገበረሉ ፀዋታ ቅዱስ ጊዮርጊስን ኢትዮጵያ ቡናን ደርቢ ሸገር ብዓወት ጋንታ ኢትዮጵያ ቡና 3 ን 2 ተዛዚሙ፡፡

ክልቲአን ጋንታታት ቅድሚ ዕረፍቲ ክልተ ማዕረ ብዝኾነ ውፅኢት ፀወተአን ዝዛዘማ እንትኾና፥ ድሕሪ ዕረፍቲ ኣብ ዝነበረን ፀወታ ኣብ መወዳእታ ደቓይቅ ኢትዮጵያ ቡና ብዘቑፀረታ ሽቶ ተዓዊታ ክትወፅእ ክኢላ፡፡

ሰለስቲአን ሽቶታት ጋንታ ኢትዮጵያ ቡና ኣቡበከር ናስር ኣብ መበል 15፣ 25ን 90ን ደቕቓ ከመዝግበን ክኢሉ፡፡

ክልተ ሽቶታት ጋንታ ቅዱስ ጊዮርጊስ ድማ ሬድዋን ናስር አኣብ መበል 22 ደቒቕ ከምኡ እውን ጋዲሳ መብራቴ ኣብ መበል 30 ደቒቕ ኣመዝጊቦምወን፡፡

ድሕሪ ሰዓት ዝተራኸባ ጋንታታት ሰበታ ከተማን ጂማ ኣባ ጅፋርን ድማ ሓደ ማዕረ ብዝኾነ ውፅኢ ውድድረን ዛዚመን።

ሮባ ወርቁ ንጋንታ ጅማ ኣባ ጅፋር ፍፁም ገብረማርያም ድማ ንጋንታ ሰበታ ከተማ ሸቶታት ዘመዝገቡ ተፃወትቲ ኢዮም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.