Fana: At a Speed of Life!

ሎሚ ዘበን ኣብ ጎንደር ኣብ ዝኽበር ብዓል ጥምቀት ብተዂሲ ዝተዋደደ ልዑል ምፍንዳእ ንምፍፃም ኣብ ምድላው ዝነበሩ ክልተ ኣባላት ጉጅለ ጥፍኣት ኣብ ቁፅፅር ሕጊ ውዒሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ሎሚ ዘበን ኣብ ክልል ኣምሓራ፣ ከተማ ጎንደር ኣብ ዝኽበር ብዓል ጥምቀት ብተዂሲ ዝተዋደደ ልዑል ምፍንዳእ ንምፍፃም ኣብ ምድላው ዝነበሩ ክልተ ኣባላት ጉጅለ ጥፍኣት ኣብ ቁፅፅር ሕጊ ውዒሎም።

እቶም ኣባላት ጉጅለ ጥፍኣት ኣርባዕተ ቡምባታት ኤፍ ዋንን 200 ጠያይትን ሒዞም እንተለዉ ብሄራዊ መረዳእታን ድሕንነትን ብዝገበሮ ክትትል ከምኡ እውን ሰራዊት ምክኻል ሃገር፣ ሓይሊታት ፀፅታ ክልል ኣምሓራን ሕብረተሰብ እቲ ከባቢን ብዝገበርዎ ምትሕብባር ኢዮም ተታሒዞም።

ብሄራዊ መረዳእታን ድሕንነትን ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝለኣኾ መግለፂ ከምዝሓበሮ፥ ነቲ ጉጅለ ልኡኽ ዘዋፈሮ ኣካል ኣብ ቀፃሊ ዕላዊ ክግበር ኢዩ።

እቶም ሓይሊታት ጥፍኣት ዝተውሃቦም ተልእኾ ተግባራዊ ብምግባር ሓደጋ እንተዘብፅሑ ግን ልዑል መጠን ዘለዎ ገንዘብን ኣብ ኣዲስ ኣበባ መንበሪ ገዛን ንክወሃቦም ቃል ተኣቲዩ ከምዝነበረ ከምዝተረጋገፀ ተገሊፁ።

ሓይሊታት ፀፅታ ተዋዲዶም ብምስርሖምን ለይቲን ቀትሪን ደኺሙና ሰልችዩና እንተይበሉ ሰላምን ድሕንነትን ህዝቢ ብምሕላዎምን እቲ ተግባር ግብረ ራዕዲ ከፍሽልዎ ምኽኣሎም እውን ተሓቢሩ።

ሎሚ ዘበን ኣብ መላእ እዛ ሃገር ኣብ ዝኽበር ብዓል ጥምቀት ተመሳሳሊ ተልእኾ ዘለዎም ኣካላት እኩይ ተግባሮም ክፍፅሙ ስለዝኽእሉ፥ ሕብረተሰብ ኣብከከባቢኡ ምስ ዘለዉ ሓይሊታት ፀፅታ ብምትሕብባር ሰላሙ ክሕሊ ከምዝግባእ እቲ መግለፂ ኣተሓሳሲቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.