Fana: At a Speed of Life!

ሐዚ እውን ዘይተመለሱ ብዙሓት ሕቶታት ህዝቢ ኣለዉና- ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፉ ሸውዓተ ኣዋርሕ ዘዐወትናዮምን ውፅኢታዊ ዝኾኑን ስራሕቲ እንተሃለዉ እውን ሐዚ እውን ዘይተመለሱ ብዙሓት ሕቶታት ህዝቢ ኣለዉና ክብላ ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።

እተን ከንቲባ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየአን ኣብ ዘመሓላለፍኡ መልእኽቲ፥ ሎሚ ካብ ወረዳ ክሳብ ከተማ ምስ ዘለዉ ኣመራርሓ ገምጋም ስራሕ ኣብ ኣዳራሽ ፓን ኣፍሪካን ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ከምዝተጀመረ ተዛሪበን።

“ኣብ ኣፈፃፅማ ስራሕ ዝሓለፉ 7 ኣዋርሕ ክፍፀሙ ዝግበኦም ዘይተፈፀሙ ስራሕቲ፣ ጉድለታትን መበገሲታትን ብምፍላይ ናይ መስተኻኸሊ ኣንፈት ብምቕማጥ ፍሉይ ጠመተ ብምግባር ከምኡውን እወንታዊ ኣፈፃፅማ ብምጥንኻር ኣብ ዝተረፉ ኣዋርሕ ተወሳኺ ዓቕሚ ፈጢርና ንዝሓሸ ውፅኢት እንዳለወሉ መድረኽ ኢዩ” ኢለን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.