Fana: At a Speed of Life!

ሓለፍቲ ስራሕ መራኸብቲ ሓፋሽ ምግስቲ ናብ ግምባር ማይ ፀብሪ ኣቲዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 7 መስከረም፣2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓለፍቲ ስራሕ መራኸብቲ ሓፋሽ ምግስቲ ጀጋኑ ንምርኣይን ብጉጅለ ትህነግ ዝተጎድኡን ወገናትን ንምርኣይ ናብ ግምባር ማይ ፀብሪ ኣቲዮም።

ሓለፍቲ ስራሕ መራኸብቲ ሓፋሽ ምግስቲ ኣብ ግምባር ማይ ፀብሪ ብግብረ ራዕዲ ህወሓት ጉድኣት ዝበፅሖም ነበርቲን ስድራ ኣብ ጭና ዝተቐተሉ ንፁሃንን ክበፅሑ ኢዮም፤ ኣብቲ ግምባር ዝርከቡ ጀጋኑ እውን ክዕዘቡ ኢዮም።

ኣብቲ ግምባር፥ ኣማኻሪ ማሕበራዊ ጉዳያት ቀዳማይ ሚኒስትር ሙሐዘ ጥበባት ዲያቆን ዳንኤል ክብረት፣ ዳይሬክተር ርክብ ህዝቢ ሰራዊት ምክልኻል ኮሎኔል ጌትነት አዳነ፣ ኣማኻሪ ሓላፊ ሚኒስትር ርክብ ህዝቢን ጉዳያት ወፃኢን ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ዶክተር ቢቂላ ሁሪሳ ሓዊሱ መራሕቲ ትካላት መራኸቢ ሓፋሽ ተረኺቦም።

እቶም ኣመራርሓታት ኣብ ግንባር ማይ ፀብሪ እንትበፅሑ፥ ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ሰሜን ጎንደር ኣይተ ያለኣለም ፈንታሁን ኣቀባብላ ከምዝገበሩሎም ኣሚኮ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.