Fana: At a Speed of Life!

ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ እናተሳጡ ዝርከቡ ሰብ ተኮር ተግባራ ተዓዚቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ፌደራልን ክልልን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክፍለ ከተማ ቂርቆስ እናተሰርሑ ኣብ ዝርከቡ ሰብ ተኮር ተግባራት ዑደት ገይሮም፡፡

ኣብቲ ዑደት ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፈሪያት ካሚልን ሓዊሱ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ዓምሓራ ኣብዱ ሁሴን (ዶ/ር)ን ሓለፊ ዘፈር ውዳበ ፓርቲ ብልፅጋና ኣዲስ ኣበባ ይመር ከበደን ተረኺቦም።

እቶም ኣመራርሓታት ኣብ ዑደቶም ኣብ 4 ሺሕ ካሬ ዝዓረፈን ን150 ነበርቲ ዕድል ስራግ ዝፈጠረን ፓርክ ቂርቆስ ተዓዚቦም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ህንፀቱ እንትዛዘም ብማእኸላይ ናይ 130 ዓቕመ ደካማታት ፀገም ገዛ ከምዝፈትሕ ትፅቢት ዝግበረሉ በዓል ኣርባዕተ ደብሪ መንበሪ ህንፃ፣ ኣብ መዓልቲ ክሳብ 90 ሺሕ ባኒ ከፍሪ ዝኽእል ፋብሪካ መፍረዪ ባኒን ኬክን ረከት ከምኡ እውን ማእኸል መህነፂ ስብእና መናእሰይ ጎተራ ተመልኪቶም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.