Fana: At a Speed of Life!

ሓበራዊ ኣኼባ ኮሚቴ ስትሪንግ ሚኒስቴር ጥዕና ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓበራዊ ኣኼባ ኮሚቴ ስትሪንግ ሚኒስቴር ጥዕና ይሳለጥ ኣሎ።

ኣብቲ ኣኼባ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሚኒስቴር ጥዕናን ተፀዋዕቲ ትካላትን ከምኡ እውን ሓለፍቲ ጥዕና ቢሮ ክልላት ተረኺቦም፡፡

ኣብ ዝሓለፈ ሓበራዊ ኣኼባ ኮሚቴ ስትሪንግ ዝተለዓሉ ውሳነታት ክትትልን ትኹረት ዘድልዮም ዝርዝር ጉዳያትብ ከምዝቐረቡ ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ኣጠቓቕማ ፋይናንስ በጀት ዓመት 2015 ሓዊሱ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ዓውዲ ጥዕና ቀሪቡ ልዝብ ተገይሩ።

ኣብቲ ዓውዲ ዝሐሸ ኣፈፃፅማ ምርኣዩ ዝተገለፀ ይኹን እምበር ኣብ ሞንጎ ክልላት ናይ ኣፈፃፅማ ኣፈላላያት ከምዝተርኣየ ኣብቲ ፀብፃብ ተመልኪቱ፡፡

ትልሚ ዕቤትን ኢንቨስምንትን ዓውዲ ጥዕና ማእኸላይ ግዘ (ትልሚ ሰለስተ ዓመት)ን ንምፍፃም ዘድሊ ፍልፍል ገንዘብን  ከምኡ እውን ትልሚ በጀት 2016 ዓውዲ ጥዕና ኣብቲ መድረኽ ቀሪቡ ልዝብ ከምዝተገበረሉ ተገሊፁ፡፡

ካብ 21 ክሳብ 23 ጥቅምቲ 2016 ዓ.ም መበል 25 ዓመታዊ ጉባዔ ጥዕና ከምዝካየድ እውን ተሓቢሩ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.