Fana: At a Speed of Life!

ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታ ክልላት ኦሮሚያን ቤኒንሻንጉል ጉሙዝን ልኡኽቶ ጥፍኣት ግብረ ራዕዳውያን ሸኔን ህወሓትን ንምፍሻል ይሰርሕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ጥቅምቲ፤ 2014 (ኤፍ ቢሲ)ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታ ክልላት ኦሮሚያን ቤኒንሻንጉል ጉሙዝን ልኡኽቶ ጥፍኣት ግብረ ራዕዳውያን ሸኔን ህወሓትን ንምፍሻል እናሰርሐ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ኮሚሽነራት ፖሊስ እተን ክልላት ከምዝሓበሩዎ፥ ምስ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ብምንባብ ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰብን ንብረትን ጉድኣት እናብፀሐ ዝርከብ ግብረ ራዕዲ ሸኔ ዝፍፅሞ ተግባር ንምምካት ሓበራዊ ግብረ ሓይሉ እተን ክልላት ህዝቢ ዘሳተፈ ወፍሪ እናገበረ ይርከብ።

ኮሚሽነር ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ቤኒንሻንጉል ጉሙዝ ኣብዱልኣዚዝ መሓመድ፥ ግብረ ራዕዲ ሸኔ ኣብ ልዕሊ ህይወት ህዝቢ ንብረትን ዘብፀሖ ጥፍኣት ንምክልኻል ምስ ፖሊስ ኦሮሚያ ብጥምረት እናሰርሐ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ኮሚሽነር ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ኦሮሚያ ጀነራል ኣራርሳ መርዳሳ ብግደኦም፥ ሰላም ህዝቢን ፀፅታ ከባቢን እናሃወኸ ዝርከብ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ሸኔ ዝፍፅሞ መጥቃዕቲ ንምምካት ስራሕቲ ክትትል እናተገበረ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኢትዮጵያ ንምፍራስ ምስ ናይ ደገ ፀላእቲ ብምትሕብባር ቀጥታ ለተኣኣኺ ኮይኑ እናሰርሐ ምዃኑ፥ እቲ ጉጅለ ብዝፈፀሞም ወረራታትን ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዘብፀሖ ጭፍጨፋን ቅትለትን እናረጋገፀ ከምዝኾነ ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.