Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ኣባል “ባንኪ ኒው ዴቨሎፕመንት” ንምዃን እናሰርሐት ምዃና ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ናይ ብሪክስ ባንኪ ኣብ ዝኾነ “ባንኪ ኒው ዴቨሎፕመንት” ኣባል ንምዃን እናሰርሐት ምዃና ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣፍሊጡ።

ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ነብዩ ተድላ÷ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዑደት ዝገበራ ምክትል ዋና ፀሓፊት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣሚና መሓመድ ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ታዬ ኣፅቀስላሴ ብምርኻብ ኣብ በዓል ብዙሕ ወገን ዲፕሎማሲያዊ ጉዳያት ከምዝዘተዩ ኣልዒሎም።

ኢትዮጵያ ኣብ ቀፃሊ ወርሒ ሓምለ 4ይ ኮንፈረንስ ልምዓት ፋይናንስ ብዕዉት ኩነታ ንምክያድ ምድላው እናገበረት ከምዝኾነት ብምግላፅ÷ ነዚ ስራሕ ምስ ውሕመን ካልኦት ዓለም ለኸ ትካላትን እናተሰርሐ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ብተመሳሳሊ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ስሎቬኒያን ክልተኣዊ ምትሕብባር ንምጥንኻ ዝዓለመ ምኽክር ከምዝተገበረ ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ሊቢያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝገበሩዎ ዑደት ዕዉት ከምዝነበረ ብምግላፅ፤ ኣብ ዑደቶም ድማ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) እተን ሃገራት ብሓባር ኣብ ዝሰርሑዎም ጉዳያት ከምዝተዛተዩ ኣልዒሎም።

ኣብ ሩሲያ ከተማ ሞስኮ ዝተገበረ ምኽክር ኣባል ሃገራት ብሪክስ ኣብ ሚኒስትር ዴኤታ ጉዳያት ወፃኢ ዝተመርሐ ልኡኽ ኢትዮጵያ ከምዝተሳተፈ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

ኣብቲ መድረኽ ምኽክር ተሳትፎ ኣባል ሃገራት ከምዝተገምገመን ንቀፃሊ ኣኼባ እቲ ጉጅለ እታወታት ዝኾኑ ሓሳባት ከምዝተልዓሉ ሓቢሮም፡፡

ኢትዮጵያ ናይ ብሪክስ ባንኪ ኣብ ዝኾነ “ባንኪ ኒው ደቨሎፕመንት” ኣባል ንኽትከውን ብትኹረት እናተሰርሐ ከምዝኾነ እውን ኣፍሊጦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.