Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ውቅብቲ ኢትዮጵያ ንምፍጣር ዘኽእል ሓዱሽ ተግባርን ጉስጓስን ዕላዊ ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ውቅብቲ ኢትዮጵያ ንምፍጣር ዘኽእል ሓዱሽ ተግባርን ጉስጓስን ሎሚ መዓልቲ ዕላዊ ገይሮም።

ክብሪ ባህሊ ፅርየት ማሕበረሰብ ዝሓለወ ንምግባር ዝተተለመ እቲ ጎስጋስ፥ ቤተ ፈተነታት ዘመናዊ በዝኾነ መገዲ መህናፅ ከመዝኾነ ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ነዚ ክብ ንምባል ሓደ መርኣያ ተሃኒፁ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምቕማጡ ተሓቢሩ።

“ውቅብቲ ኢትዮጵያ” ዝብል ስያመ ዝተውሃቦ እቲ ጎስጓስ፥ “ፅሩይ መገዲ- ናብራ ብጥዕና” ዝብል መሪሕ ሓሳብ ብገንዘብ ወይ ብዓይነት ደገፍ ሕብረተሰብ ከምዘድልዮ ተገሊፁ።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ነቲ ጎስጓስ ጠሚቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ቆላሕታ ካብ ዝተውሃቦም ነገራት ሓደ ውቁብን ሓምለዋይን ከባቢ ምፍጣር ኢዩ ኢሎም።

“ክብሪ ዘለዎ ባህሊ ፅርየት ምፍጣር ይግበአና” ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ኣብ ግቡእ ቦታ ክብሪኻ ሓሊኻ ምፍታን ወይ ምሻን ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ነዚ ድማ ስርዓት ምድላው ወይ ሽቓቕ ምህናፅ ኣድላዪ ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ብምምሃር ወይ ሕጊ ብምኽባር ነቲ ስርዓት ምምዕባል ከምዝግባእ ከምኡውን ሽቓቕ ምህናፅ ትፅቢት ይግበር ኢሎም።

እቲ ጎስጓስ፥ ሽቓቓት ተበፃሒ ብምግባር ከብሪ ሓሊኻ ባህሊ ፍታን ክብ ምባል ዝዓለመ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ዕድል ስራሕ ዝፈጥርን ጥዕና ንምሕላው ዝሕግዝን ከምዝኾነ ምግላፆም ኣብ ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓትን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዙሓት ሽቓቓት ንምህናፅ ብገንዘብ ደገፍ ምግባር ንዝደሊዩ ዜጋታት  ኣብ ባንኪ ንግዲ ብቁፅሪ ሒሳብ  1000623230248 ከምኡውን ኣብ ብሄራዊ ባንኪ ዶላር አካውንት 0101211300016 “ውቅብቲ ኢትዮጵያ” ምብርካት ከምዝኽእሉ ተሓቢሩ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.