Fana: At a Speed of Life!

ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ንኢትዮጵያዊያን ፍልፍል ኩርዓት ዝኾነ ዓብዪ ትካል ኢዩ – ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሚያዚያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ንኢትዮጵያዊያን ፍልፍል ኩርዓት ዝኾነ ዓብዪ ትካል ከምዝኾነ ከንቲባ ምምጀሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።

በተን ከንቲባ ዝተመርሐ ጉጅለ ሓለፍቲ ስራሕ እቲ ምምሕዳር ኣብ ሓይረሊ ኣየር ኢትዮጵያ ዑደት ገይሩ።

ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብቲ እዋን ዑደት÷ እቲ ሓይሊ ኣየር ካብ ዝተውሃቦ ሃገራዊ ልኡኽቶ ብተወሳኺ ኣብ ልምዓት ሕርሻ ኣቐዲሙ ብዘይግቡእ ካብ ረብሓ ወፃኢ ተገይሩ ዝነበረ ናይቲ ትካል መሬት ናብ ልምዓት ብምቕያር ዘመዘገቦ ዓብዪ ዓወት ብብርኪ ሃገር መርአዪ ዝኸውን ዘኹርዕ ከምዝኾነ ተዛሪበን።

ብሰላም ወፂኡ ንምእታው ጥራሕ ዘይኮነስ ከም ሃገር ንዝተትሓዘ ጉዕዞ ልምዓት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዘፅነዖ ሰላም ወሳኒ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ “ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ንመላእ ኢትዮጵያዊያን ፍልፍል ኩርዓት ዝኾነ ዓብዪ ትካል ኢዩ” ኢለን።

ዋና ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ፌዴሪኢ ሌተናል ጄኔራል ይልማ መርዳሳ ከምዝገለፁ÷ ኣብ ሃገርና ዝተጀመረ ትካላት ውቁባትን ፅሩያትን ገይርካ ናይ ምህናፅ ተግባር ኣብ ሓይሊ ኣየር ብዝበለፀ ተጠናኺሩ ከምዝቐፀለ ብምግላፅ፤ እተን ከንቲባን ካቢኔአንን ኣብቲ ትካል ዝገበሩዎ ዑደት ልዑል ረብሓ ዘለዎ ናይ ሞራል ስንቂ ከምዝኾነ ካብ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.