Fana: At a Speed of Life!

ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ንፈተውቲ ሃገራት ሽግግር ኣፍልጦን ቴክኖሎጂን ንምግባር ኣብ ዘኽእል ቁመና ይርከብ- ሌተናል ጀኔራል ይልማ መርዳሳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ንፈተውቲ ሃገራት ሽግግር ኣፍልጦን ቴክኖሎጂን ንምግባር ኣብ ዘኽእል ቁመና ይርከብ ክብሉ ዋና ኣዛዚ እቲ ሓይሊ ኣየር ሌተናል ጀኔራል ይልማ መርዳሳ ገሊፆም።

ብዋና ኣዛዚ ወፍሪን ስልጠናን ምክልኻል ሃይሊ ታንዛኒያ ሜጀር ጀኔራል ጃኮብ ጆሃን ማኩንዳ ዝተመርሑ ኣባላት ጉጅለ ልኡኽ ኣብ መምርሒ ሓይሊ ኣየር ዑደት ኣካይዶም።

ሌተናል ጀኔራል ይልማ ንሜጀር ጀኔራል ጃኮብ ጆሃን ማኩንዳ ኣብ ቢሮኦም ብምቕባል ኣነጋጊረሙዎም።

ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ መስ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪካ ፅቡቕ ርክብ ከምዘለዎ ኩሉ ምስ ታንዛኒያ እውን ብልዑል ምትሕብባር ንምስራሕ ድልዊ ኢዩ ኢሎም።

እቲ ሓይሊ ኣየር ብኣቪዬሽን ቴክኖሎጂ ሳይንስ፣በረራን ፅገናን፣ ትምህርቲን ስልጠናን ከምኡውን ዓቕሚ ሓይሊ ሰብ ብምዕባይ ካብ ኣፍሪካ ጠንካራ ናይ ሓይሊ ኣየር ህንፀት ራእዩ በፍጥነት እናሳኸዐ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ንፈተውቲ ሃገራት ሽግግር ኣፍልጦን ቴክኖሎጂን ንምግባር ኣብ ዘኽእል ቁመና ከምዝርከብ እውን ምግላፆም ካብ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.