Fana: At a Speed of Life!

ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ከሰልጥኖም ዝፀንሐ ኣብረርቲ ኣመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ) ‘’ነብሪታት 2014’’ ብዝብል መሪሕ ቃል ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ብሞያ በረራ  ከሰልጥኖም ዝፀንሐ ኣብረርቲ ኣመሪቑ።

ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ “ኣናብር 2014” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዘሰልጠኖም ኣብርረቲ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ኣብ ዝተረኸባሉ ኣመሪቑ።

ኣብቲ ምረቓ ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሓይልታት ኣየር ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፣ ርእሳነ ምምሕዳር ክልላት፤ ላዕለዎት ፌደራልን ፃውዒት ዝተገበረሎም ገያሹን ተረኺቦም።

እቶም ተመረቕቲ ብቐዳማይ ብርኪ መሰልጠኒ በረራ ኣውሮፕላን፣ ብመጓዓዝያ ሄሊኮፕተር፣ ብተዋጋእቲ ሄሊኮፕተር፣ ብቪ ኣይ ፒ ሄሊኮፕተርን ብመጓዓዝያ ኣውሮፕላንን ንተኸታተልቲ ዓመታት ዝሰልጠኑ ምዃኖም ተገሊፁ።

ንተመረቕቲ ዲፕሎማን ሰርተፊኬት ከምዝዋሃቦም ድማ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

ብመሰረት እዚውን ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣየር ክልል ኢትዮጵያ ንምሕላው ኣብ ዝሓሸ ብርኪ ከምዝርከብ መርኣያ ምዃኑ ተገሊፁ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ካብ ዕድመ ንእስነት ክሳብ ሐዚ ሓበን ዝስማዓኒ ክብሪ ሃገር ንምሕላው ክቡር ህይወቶም ዝኸፍሉ ዘለዉ ሃገር-ሃገር ኣብ ዝጨኑ ማእኸል ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ምርካበይ እዩ ክብላ ፕሬዚዳንት ሣህለወርቅ ዘውዴ  ሓቢረን።

እቲ ሓይሊ ኣየር ንዝሓለፉ 90 ዓማውቲ ዘሐብን ጅግንነት ፈፂሙ ኣዩ ዝበላ እንትኸውን ሐዚ እውን ነዚ እዋን ዝምጥን ዓቕሚ ከማዕብል ከምዝግባእ ገሊፀን።

ነቲ ሓይሊ ኣየር ዝተራቐቐ ዕጥቒን ዘበናዊ ቴክኖሎጂን ምምላእ ኣድላይ ከምዝኾነን ነዚ ድማ እኹልን ብቑዕ ሓይሊ ሰብ ምህናፅ ከምዘድሊ እውን ገሊፀን።

ካብ ኣብረርቲ ብተወሳኺ ብሓፈሻ ሰብ ሞያ ሓይሊ ኣየርን ሓገዝ ውሃብቲ ሰራሕተኛታት ምብቓዕ ከምዘድሊ ኣልዒለን።

እቲ ሰራዊት ስርዓተ-መንግስቲ ክቕየር ከሎ ዘይትቕየር ሃገር ዝሕሉ ስለዝኾነ ንሕና እውን ሃገር ንወለዶ ክነሰጋግር ይግባእ ኢለን።

እተን ፕሬዚዳንት ወዲ ሰብ ብህይወት ናይ ምንባር መሰሉ ክሕለወሉ ከምዝግባእን ኩላትና ካብ ቃል ብዝሓለፈ ሃገር ብተግባር ክንሕሉ ይግባእ ኢለን፡፡ ነታ ዓባይ ሃገር ዓብይ ሓይሊ ኣየር ምህናፅ ይግባእ ክብላ እውን እተን ፕሬዚዳንት ገሊፀን።

ንኢትዮጵያ ዝምጥን ከምቀደም ብኣፍሪካ ዝፍራሕን ዝተኸበርን ሓይሊ ኣየር ንምህናፅ ንሰርሕለና ክብሉ  ላዕላዋይ ኢታማዦር ሹም ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ፊልድ ማርሻል ብርሀኑ ጁላ፤ ኣረዲኦም፡፡

ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ክሳብ ስርዓት ደርግ ብኣፍሪካ ዝተፈርሐን ዝተኸበርን ከምዝነበረ ብምዝካር ክሳብ ለውጢ እዋን ስራሕቲ ምፍራስ ተኻይድዎ ንክደክም ተገይሩ እዩ ኢሎም፡፡ እቲ ሓይሊ ኣየር ብሓደሽቲ ቴክኖሎጂ ተሓጊዙ ናብ ቀደም ቁመናኡ ይምለስ ከምዘሎ ተገሊፁ፡፡

ዋና ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ሌተናል ጄነራል ይልማ መርዳሳ ብጊዲኦም ሰራዊት ሃገር እንበር ብሄር ይብሉን ብዝብል ቃል ለውጢ ኣታሓሳስባ  ብምግባር ካብ ኣመላኻኽታ ብሄርተኝነት፣ ፖለቲካን ሃይማኖትን ናፃ ዝኾነ ሰራዊት ምህናፅ ተኻኢሉ እዩ ኢሎም፡፡

በዚ ድማ ሎሚ ማዕልቲ ዝተመረቑ ኣብረርቲ ናይዚ ፍረ ምኾኖም ዝገለፁ እቶም ዋና ኣዛዚ ቴክኖሎጂ ኣቪዬሺ ምስ ዝበፅሐሉ ክነፃፀር ከሎ ገና ክስራሕ ከምዝግባእ ድማ ገሊፆም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.