Fana: At a Speed of Life!

ሓይሊ ኣየር ዘሰልጠኖም ቪዥን 2035 ሰልጠንቲ መገዲ ኣየር የመርቕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓይሊ ኣየር ፌዴሪኢ ንፈለማ እዋን ዘሰልጠኖም ቪዥን 2035 ሰልጠንቲ መገዲ ኣየር የመርቕ ኣሎ።

ሓይሊ ኣየር ፌዴሪኢ ምስ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዘለዎ ምትእስሳር ንምጥንኻር ዓሊሙ ብመሰረት ዝሓዞ ትልሚ፥ ንፈለማ እዋን እቶም ሰልጠንቲ በረራ ብስነ ልቦናን ብቕዓት ኣካልን ብምስልጣን የመርቕ ከምዘሎ ተገሊፁ።

ኣብ ስነ-ስርዓት እቲ ምረቓ፥ ዋና ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ሌተናል ጄኔራል ይልማ መርዳሳ፣ ዋና ኣካያዲ ስራሕ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ መስፍን ጣሰውን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ምርካቦም ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.