Fana: At a Speed of Life!

ሓይሊ ኮማንዶ ኮንክሪት ምሽጋትን ኣፀገምቲ ጎቦታትን ብምስባር ተስፋ ጉጅለ ህወሓት ዘፀልምት ስራሕ ከምዝሰርሐ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 19 ህዳር፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓይሊ ኮማንዶ ሰራዊት ምክልኻል፥ ሃገር ጉጅለ ትህነግ ኣብ ዝተኣማመነሎም ኮንክሪት ምሽጋትን ኣፀገምቲ ጎቦታትን ብምስባር ተስፋ እቲ ጉጅለ ዘፀልምት ስራሕ ከምዝሰርሐ ኣዛዚ ኮማንዶ ፍሉይ ወፍሪ ሓይሊ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ከማል በሪሱ ኣፍሊጦም።

ቅድም ክብል ኣብ ግንባር ሑመራ ቅራቅር ኣብ ዝተብሃለ ቦታ ፀላኢ ዝሓዞ ስትራቴጂክ ቦታ ብምልቃቕ ሓይሊ ጁንታ ንክበታተን ዝገበረን ብመንፅር ወታደራዊ ረብሓ ምቹው ዝኾነ ገፅ መሬት ንከይጥቀመሎም ብምግባር ዝነኣድ ስራሕ ከምዝተሰርሐ ተዛሪቦም።

ፀላኢ ብዘይተፀበዮ ቦታ ብፍጥነት ብምእታው፣ ዝተዓፈነ ወገን ብምልቃቕን ብስሩዕ ውግኣት ምስ ካልኦት ክፋላት ሰራዊት ብምውዳድን ኣባላት ኮማንዶ ልዑል ጅግንነት ከምዝፈፀሙን ይፍፅሙ ከምዘለዉን ኣረጋጊፆም።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ድማ ብመሰረት ዝተውሃቦም ኣንፈት እቲ ሓይሊ ኮማንዶ ብግንባር ራያ ተሰሊፉ ዝነበረ ፀላኢ ጊዜ ወሲዱ ዘዳለዎ ምሽግ ብምስባር ንወገን ብስራት ንፀላኢ ድማ ሕፍረት ዘጎናፀፈ ስራሕ ሰሪሑ ኢዩ ክብሉ ርኢቶ ወሃብቲ ኣባላት ኮማንዶ ገሊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.