Fana: At a Speed of Life!

ሓደሽቲ ናብ ኣብያተ ህንፀት ትግራይ ንዝኣትው ተሃነፅቲ ሕጊ ን14 መዓልቲ ካብ ቫይረስ ኮሮና ነፃ ምዃኖም ዝረጋገፀሉ ቦታ ከምዝፈለየ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መጋቢት፣ 2012 ዓም (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር ኣብያተ ህንፀት ትግራይ ሓደሽቲ ናብ ኣብያተ ህንፀት ትግራይ ንዝኣትው ተሃነፅቲ ሕጊ ን14 መዓልቲ ካብ ቫይረስ ኮሮና ነፃ ምዃኖም ዝረጋገፀሉ ቦታ ከምዝፈለየ ኣፍሊጡ።

እቲ ቤት ፅሕፈት ጉዳዮም ብቤት ፍርዲ ተወሲኑ ናብ ቤት ህንፀት ንዝመፁ ተሃነፅቲ ሕጊ እዩ እቲ መፅንሒ ቦታ ኣዳልዮዎ።

ሓላፊ እቲ ቤት ፅሕፈት ኮማንደር ወልዳይ ከምዝበልዎ፥ እቲ ቫይረስ ናብ ኢትዮጵያ ካብ ዝኣቱ ናብዚ ኩለን ኣብያተ ህንፀት ነቲ ቫይረስ ንምክልኻል ኮሚቴ ኣጣይሸን እየን።

ማሕበረሰብ እተን ኣብያተ ህንፀት ድማ ዘድሊ ፅሬት ክገብሩ ምድላዋት ተወጊኖም ናብ ተግባር ተኣቲው ኣሎ።

ኩለን ኣብያተ ህንፀት ትግራይ ንተሃነፅቲ ሕጊ መምሃሪ ክፍሊ ኣለወን እዩ ዝበሉ ኮማንደር ወልዳይ፥ ብሰንኪ ምክልኻል እቲ ሕማም ኣብያተ ትምህርቲ ምዕፃው ኣዘኻኺሮም።

ሓደሽቲ ተሃነፅቲ ሕጊ እንትመፁ ድማ ኣብቶም ነፃ መምሃሪ ክፍልታት ን14 መዓልቲ ክፀንሑ ተወሲኑ ናብ ተግባር ተኣትዮ ኢሎም።

እቶም ሓደሽቲ ተሃነፅቲ ሕጊ ምልክት እቲ ሕማም እንተተራእይዎም ግና ናብቲ መፅንሒ እንተይኮነስ እቲ ክልላዊ ግብረሓይሊ ናብ ዘዳለዎ መፅንሕን መመርመርን ቦታ ንምስዳድ ከምዝተወሰነ ተዛሪቦም።

ብዛዕባ እቲ ቫይረስ መዓልታዊ ሓበሬታ እተን ኣብያተ ህንፀት ናብ ክልል ከምዝለኣኽ ኮማንደር ወልዳይ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ሓቢሮም።

እዋናውን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

ብዮናታን ግዛቸው

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.