Fana: At a Speed of Life!

ሓደጋ መገዲ ኣየር ኣላስካ ስዒቡ ብዙሓት ሃገራት ኣውሮፕላናት ቦይንግ ንከይበራ ኣጊደን

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓደጋ መገዲ ኣየር ኣላስካ ስዒቡ ብዙሓት ሃገራት ኣውሮፕላናት ቦይንግ ንከይበራ ኣጊደን።

ምምሕዳር ኣቪዬሽን ፌዴራል ኣሜሪካ (ኤፍኤኤ) ትማሊ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፥ እቲ ኤጀንሲ ድሕንነተን ብዝሓለወ መገዲ ምስራሕ ከምዝከኣል ክሳብ ዝረጋገፅ ብሓፈሻ 171 ቦይንግ ማክስ 9 ኣውሮፕላናት ካብ በረራ ምእጋደን ኣፍሊጡ።

ኣብ ኣሜሪካ ዝንቀሳቐሳ ዝተወሰና ቦይንግ 737 ማክስ 9 ኣውሮፕላናት ብጊዚያዊነት በረረአን ደው ንከብላ ምግባሩ ተሓቢሩ።

እቲ ውሳነ፥ ኣብ ዝሓለፈ ዕለተ ዓርቢ ካብ ፖርትላንድ ናብ ኦሪገን ኣብ ምብራር ዝነበረ ቦይንግ 737 ማክስ 9 ኣውሮፕላን መገዲ ኣየር ኣላስካ ኣብ ዝተወሰነ ዋና ክፍላ ፀገም ምግጣሙ ስዒቡ ዝተውሃበ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.