Fana: At a Speed of Life!

“ሓደ ቤተሰብ ንሓደ ህፃን” ብዝብል መሪሕ ቃል ን100 ህፃናት ዘላቒ ሓገዝ ንመሃብ ዘኽእል ስምምዕነት ተፈሪሙ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 22 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)“ሓደ ቤተሰብ ንሓደ ህፃን” ብዝብል መሪሕ ቃል ን100 ህፃናት ዘላቒ ሓገዝ ንመሃብ ዘኽእል ስምምዕነት ተፈሪሙ።

እቲ ስምምዕነት ቢሮ ደቂ ኣንስትዮ፣ ህፃናትን ማሕበራዊ ጉዳይን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ፣ ኮሚሽን መተሓባበሪ ሰናይ ምግባርን ተሳትፎ ሕብረተሰብን፣ ኢትዮ ቴሌኮምን ወናኒ ኤም ደብሊው ኤስ ትሬዲንግ ኣይተ ማናዬ ሰንደቁ ተፈራሪሞምዎ።

ካብ ኩለን ክፍለ ከተማታት ኣዲስ ኣበባ ዝተውፃእፅኡ ትሑት ኣታዊ ዘለዎም ስድራቤት 100 ህፃናት ክሳብ ዩኒቨርሲቲ ንምምሃርን ሓገዝ ንምግባርን ዘኽእል ፍሉይ መርሃ ግብሪ ህንፀት ቀፃሊ ወለዶ ተኻይዱ።

ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብቲ መርሃ ግብሪ ኣብ ዘመሓላለፈኦ መልእኽቲ፥ ኣዶ ውላዳ ብኣካልን ብኣእምሮን እንትዓቢን እንትጉልብትን ልዕሊ ምርኣይ ዘሕጉሳ ነገር ስለዘየለ እቲ ምምሕዳር ከተማ እውን እዚ ንምዕዋት ኣብ ዝተፈላለዩ ተግባራት እናሰርሐ ከምዝርከብ ገሊፀን።

“ሰብ ተኮር ፖሊሲና ዝሰርሕ ንሰብ ኢዩ” ዝበላ እተን ከንቲባ÷ እዚ ድማ ካብ ቀንዲ መምርሒታት መንግስቲ ሓደ ከምዝኾነ ኣብሪሀን።

ኣብቲ ናይ ሎሚ መዓልቲ ፕሮግራም ተጠቀምቲ ካብ ዝኾኑ ብተወሳኺ ኣብ ኩለን ክፍለ ከተማታት ኣብቲ እዋን ክረምቲ 330 ህፃናት ካብ 3 ወርሒ ክሳብ 3 ዓመት ምትእስሳር ሓገዝ ከምዝተፈጠረሎም ካብ ቢሮ ኮሙኒኬሽን እቲ ምምሕዳር ከተማ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ብሓፈሻ 430 ህፃናት ናይዚ ሰናይ ተግባር መርሃ ግብሪ ተጠቀምቲ ኮይኖም።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.