Fana: At a Speed of Life!

ሓዱሽ መንግስቲ ዝኣተዎ ቃል ተግባራዊ ምግባር ትፅቢት ይግበረሉ-ምሁራን

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጥቅምት፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)ሓዱሽ መንግስቲ ዝኣተዎ ቃል ተግባራዊ ምግባር ትፅቢት ይግበረሉ ክብሉ ምሁራን ገሊፆም።

እቲ ሓዱሽ መንግስቲ ለውጢ ዘካተተ ብሄራዊ መድረኽ ዘተ ብምክያድ ሓድነታን ህልውንኣን ዝሓለወት ጠንካራ ሃገር ንትውልዲ ንምትሕልላፍ ዝኣተወ ቃል ብተግባር ከውዕል ይግባእ ኢዮም ኢሎም።

ምስ ፋና ብሮድ ካሰቲነግ ኮርፖሬት ፃንሒት ዝገበሩ መምህር ፖለቲካን ዓለም ለኸ ርክብን ዩንቨርስቲ ደብረብርሃን ረዳት ፕሮፌሰር ዳምጠው ተሰማ፥ ተነሓናሕቲ ፓርቲታት ፖለቲካ ኣካቲቱ ዝተጣየሸ መንግስቲ ህልውና ሃገር ምሕላው ቀዳማይ ስርሑ ክገበር ይግባእ ኢሎም።

መምህር ሕጊ ሙሉቀን ይታይህ ብግደኦም፥ ዝተናውሐ ኲናት ዘስዕቦ ሰብኣዊን ቁሳዊን ዕንወት ልዑል ብምዃኑ እቲ ሓዱሽ መንግስቲ ጉያ ጉጅለ ጥፍኣት ህወሓት ብምዕጋት ልዕልነት ሕጊ ብምኽባር ህፁፅ ስጉምቲ ክወሰድ ከምዝግባእ ተዛሪቦም።

ረዳት ፕሮፌሰር ፖለቲካል ሳይነስ ዩንቨርስቲ ጎንደር ኣንዳርጋቸው ተስፋሁን፥ መናእሰይን ዝተምሃረ ክፋል ሕብረተሰበን ኣብ ጉዳይ ሃገሩ ተሳታፊ ንክኸውን ምትብባዕን ዜጋታት ብኽእለቶም ጥራሕ መዚኖም ኣብ ስራሕ ምውፋር የድሊ ኢሎም።

ብሰላም ኣሰፋን ኣፈወርቅ ኣለሙን

 

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.