Fana: At a Speed of Life!

ሓዱሽ ዓሌት ቫይረስኮሮና ናብ ኢትዮጵያ ከየኣቱ ጥንወቃቐ ይግበር ኣሎ – ሚኒስቴር ጥዕና

ኣዲስ ኣበባ ፣ 4 ጥሪ ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ዝተወሰና ሃገራት እናተርኣየ ዝርከብ ሓዱሽ ዓሌት ቫይረስኮሮና ናብ ኢትዮጵያ ከየኣቱ ኣድላዪ ጥንወቃቐ እናተገበረ ምዃኑ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

ካብ ወርሒ መስከረም 2013 ጀሚሩ ሓዱሽ ዓሌት ቫረስኮሮና ኣብ ሃገረ እንግሊዝ ምርኣዩ ይፍለጥ፤ እቲ ቫይረስ ኣብ ውሽጢ ሓፂር እዋን ናብ ኣሜሪካን ካናዳን ኣቲዩ ኢዩ።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪካን ናይጄሪያን እውን ኣብ ሃገረ እንግሊዝ ካብ ዝተረኸበ ቫይረስ ዝተፈለየን ሓዱሽ ዓይነት ዓሌት ቫይረስ ኮሮና ተራኢዩ ኢዩ።

እቶም ሓደሽቲ ዓሌታት ቫይረስኮሮና ካብቲ ነባር ቫይረስ ብዝበለፀ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ናይ ምምሕልላፍ ዕድሎም ልዑል ከምዝኾነ ሓበሬታታት የረድኡ።

እቶም ሓደሽ ዓሌታት ብቕልጡፍ ናይ ምዝማት ዓቕሚ ስለዘለዎም ድማ ንኢትዮጵያ ስግኣት ከምዝኾኑ ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ጥዕና ሰረሃላ ኣብዱላሂ ተዛሪበን።

ብፍላይ ኣብ ሃገራት ደቡብ ኣፍሪካን ናይጄሪያን ዝተረኸቡ ሓደሽቲ ዓሌታት፥ “ብመንፅር ቅርበት ንኢትዮጵያ ስግኣት ስለዝኾኑ ትኹረት ተገይሩ ኢዩ” ኢለን።

ነዚ ስዒቡ ድማ ብፍላይ ካብ ወፃኢ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣትዉ ተጓዓዝቲ ናይ ምመርማር ስራሕቲ ተጠናኺሩ ከምዝቐፀለ ገሊፀን።

እዙይ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ዶብ ከባቢታት ዘሎ ቁፅፅር ከምዝተጠናኸረ ኣገንዚበን።

ይኹ እምበር ዝኾነ ይኹን ዓይነት ዓሌት ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ብሰብ ሞያታት ጥዕና ዝቐረቡ ሜላታት ምክልኻል ተግባራዊ ምግባር ይግባእ ኢለን።

እቲ ሓዱሽ ዓሌት ቫይረስኮሮና መናእሰይ የጥቅዕ ኢዩ ዝብል መፅናዕቲ ከምዘሎ ዝሓበራ እተን ሚኒስትር ዲኤታ፥ መናእሰይ ግቡእ ጥንቃቐ ክገብሩ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲበን።

ኣብ ዝቕፅል በዓል ጥምቀት እውን ሕብረተሰብ ግቡእ ጥንቃቐ ብምግባር ሓላፍነቱ ክዋፃ ከምዝግባእ ምግላፀን ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.