Fana: At a Speed of Life!

ሓዱሽ ዓመት ንዓወት ዘብፅሑና ክብሪታት ብምጥንኻር ኢና ንቕበሎ-መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓዱሽ ዓመት ንዓወት ዘብፅሑና ተመክሮታትን ክብሪታትን ብምጥንኻር ፈተናታት ብዓወት ንምዝዛም ዘኽእሉ ዕድላት ብምፍጣር ኢና ንቕበሎ ክብል ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ዴኤታ እቲ ኣገልግሎት ከበደ ዴሲሳ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ ስያመን መሪሕ ቃለን መዓልታት ጳጉሜን ብዝምልከት ብቤት ምኽሪ ሚኒስቴራት ከምዘፀደቐ ተዛሪቦም።

ብመሰረት እዚ መሪሕ ቃል እቲ ሰሙን “ ጳጉሜን በመደመር” ብዝብል ከምዝኽበር ሓቢሮም።

1 ጰጉመን መዓልቲ ወለንታዊያን፥  2 ጰጉመን መዓልቲ ኣፍረይቲ፣ 3 ጰጉመን መዓልቲ ሰላም፣ 4 ጰጉመን መዓልቲ ኣገልገልቲ፣ 5 ጰጉመን መዓልቲ ሓድነት በዝብል ስያመ ከምዝኽበር ኣፍሊጦም።

ኣብቶም መዓልታት ምስቲ ስያመ ዝሳነዩ ተግባራት ከምዝፍፀሙ እውን ገሊፆም።

2014 ዓ.ም ፈተናታት ዝበዝሓሉ ይኹን እንበር ብዓወት ዝተዓጀበ ከምዝነበረ እቶም ሚኒስትር ዴኤታ ኣብሪሆም።

ኣብቲ ዓመት ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝኸፈቶ ኲናት ምኽባሱን ሀዝቢ ካብ መብታን ከምዝደሓነን ንኣብነት ብምርቋዕ ካልኦት ጉዳያት እወን ብዓወት ዝተዛዘምሉ ዓመት ኢዩ ነይሩ ኢሎም።።

ብፌቨን ቢሻው

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

 

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.