Fana: At a Speed of Life!

ሓድነትን ምትሕብባርን ኣጠናኺርካ ክቕፅል ምግባር ከምዘድሊ ኣይተ ደስታ ሌዳሞ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓድነትን ምትሕብባርን ኣጠናኺርካ ክቕፅል ምግባር ከምዘድሊ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሲዳማ ኣይተ ደስታ ሌዳሞ ገሊፆም።

በዓል ፊቼ ጨምባላላ ብዝግባእ ሓሊኻ ንዝመፅእ ወለዶ ምምሕልላፍ ከምዝግባእ እውን እቶም ርእሰ ምምሕዳር ተዛሪቦም፡፡

ባህሊ ሓሊዮም ኣብዚ ዘብፅሑ ተወለድቲ እቲ ብሄር ዘመስገኑ ኣይተ ደሰታ፥ ብዝሐሸን ብዝደመቐን መልክዑ ንምኽባር ብምብቀዖም መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በለኩም ኣመሓላሊፎም፡፡

ድኽነት ንምስዓር ብሓባር ምስራሕ ከምዘድሊ ብምሕባር፤ እቲ በዓል ዝተፃልኡ ዝዕረቑሉ ሓድነት ዝጥንክረሉን ንኽብሪ ደቂ ሰባት ዝወሃበሉ ኢዩ ኢሎም፡፡

ፍልጠት ኣቦታት ዘደንቕን ዘኹርዕን ባህሊ ከምዝኾነ፣ ተሓጋጊዝካን ተሓባቢርካን ንቕድሚት ምሱጓ ከምዘድሊን ሓድነትን ምክእኣልን መግለፂ እቲ ህዝቢ ከምዝኾነ ተዛሪቦም፡፡

እቲ በዓል ንዝቕፅሉ 15 መዓልቲታት ዝቕፅልን ብዝተፈላለዩ መርሃ ግብሪታት ከምዝኽርን ገሊፆም፡፡

ብብርሃኑ በጋሻው፣ ቢቂላ ቱፋ፣ ቤዛዊት ከበደ፣ ታመነ ኣረጋን ደብሪቱ በዛብህን

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.