Fana: At a Speed of Life!

ሕማም ሸሮኽ (ኮሌራ) ኣብ ትግራይ ከምዘጋጠመ  ግዝያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ሕማም ሸሮኽ (ኮሌራ) ኣብ ትግራይ ከምዘጋጠመ ኣፍሊጡ።

እቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ኣብ ዘውፅኦ እዋናዊ መግለፂ፥ እቲ ሕማም ካብ ዝሓለፉ መዓልታት ጀሚሩ ኣብ ዝተፈላለያ ከባቢታት ዞባ ደቡብ ትግራይ ከም ዝተርኣየን ክሳብ ሕዚ በዚ ሕማም ሞት ከምዘጋጠመን ገሊፁ።

ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሎሚ 22 ጥቅምቲ 2016ዓ.ም ኣብ ዘካየዶ ስሩዕ ኣኼባ፥ ነቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ለበዳ ብዝርዝር ከምዝገምገመን ኣንፈታት ከምዘቐመጠን እውን ኣብሪሁ።

ብመሰረት እዚ ብርእሰ ምምሕዳር ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዝምራሕ ሓይሊ ዕማም ብምጥያሽ ቀልጢፉ ናብ ስራሕ ንክኣቱ ወሲኑ ኣሎ።

ሕድሕድ ቤት ዕዮ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ድማ ነዚ ለበዳ ንምክልኻል ዘኽእል ቆላሕታ ሂቡ ክሰርሕ ከምዘለዎ ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር መምርሒ ሂቡ።

ህዝቢ እውን ነቲ ኣፀጋሚ ጥዕናዊ ኩነታት ብዝግባእ ተረዲኡ ዓርሱን ከባቢኡን ካብዚ ሕማም ንምክልኻል ብልዑል ትኹረት ክረባረብን መንግስቲ በቢእዋኑ ዘውርዶም ኣንፈታት እናተኸታተለ ንተግባራዊነቶም ሓጋዛይ ግደ ክፃወትን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ፀዊዑ።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.