Fana: At a Speed of Life!

ሕብረት ኣውሮፓ ንመፈፀሚ ፕሮግራም ብሄራዊ ዲሞቢላይዜሽንን እግሪ ምትካልን  16 ሚሊየን ዩሮ ለጊሱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕብረት ኣውሮፓ ን መፈፀሚ ፕሮግራም ብሄራዊ ዲሞቢላይዜሽንን እግሪ ምትካልን 16 ሚሊየን ዩሮ ለጊሱ።

ብሚኒስቴር ገንዘብ ኣብ ዝተገበረ ስነ ስርዓት ምንባር ክታም ኮሚሽነር ብሄራዊ ተሃድሶ ኣምባሳደር ተሾመ ቶጋ ሓዊሱ፥ ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ገንዘብ ሰመሪታ ሰዋሰው፣ ኣምባሳደር ሕብረት ኣውሮፓ ሚስተር ሮናልድ ኮቢ፣ ተፀዋዒ ውሕመ ኣብ ኢትዮጵያ ራሚዝ ኣላብባራብ (ዶ/ር)ን ተፀዋዒ ፕሮግራም ልምዓት ውሕመ ኣብ ኢትዮጵያ ሳሙኤል ዶ (ዶ/ር) ተረኺቦም።

እቲ ደገፍ ገንዘብ ብሄራዊ ኮሚሽን ተሃድሶ ብላዕለዋይነት ንዝመርሖን ብመሰረት ስምምዐነት ሰላም ዕጥቆም ብምርካብ ብሰለማዊ መገዲ ሀይወቶም ንምምራሕ ዝወሰኑ ነበር ተዋጋእቲን “ዲሞቢላይዝ” ንምግባርን ብዘላቕነት መሊስካ እግሪ ንምትካልን ንዝተቐረፀ ፕሮግራም መፈፀሚ ዝውዕል ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ኣምባሳደር ተሾመ፥ እቲ ደገፍ ነቲ ፕሮግራም ፈላማይ መኽፈቲ በሪ ምዃኑ ብምግላፅ፥ ከምዚ ዓይነት ደገፍ በቲ ሕብረትን ኣባል ሃገራትን ተጠናኺሩ ንክቕፅል ፃውዒት ኣቕሪቦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.