Fana: At a Speed of Life!

ሕብረት ኣውሮፓ ንዕዉትነት ድርድር ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብፅን ደገፍ ከምዝገብር ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሕብረት ኣውሮፓ ንዕዉትነት ድርድር ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብፅን ደገፍ ከምዝገብር ኣፍሊጡ።

ኣብ ሕብረት ኣውሮፓ ተወካሊ ክፍሊ ድሕንነትን ፓሊስን ጉዳይ ወፃኢ ከምኡ እውን ምክትል ፕሬዚዳንት እቲ ሕብረት ጆሴፕ ቦሬል ኣብ ክሊ ግድብ ህዳሰ መግለፂ ሂቦም።

ሰለስቲአን ሃገራት ህዳሰ ግድብ ብዝምልከት ዝገብርኡ ዘለዋ ድርድር ዕዉት ንክኸውን እቲ ሕብረት ደገፍ ከምዝገብር ኣብ መግለፂኦም ሓቢሮም።

እተን ሃገራት ኣብ ናይ ሓባር ምርድዳእ ንምብፃሕ ፃዕሪ ክገብራ ከምዝግባእ እውን ገሊፆም።

ሰለስቲአን ሃገራት ነዚ እንተፈፂመን እቲ ሕብረት ከምዝሕግዘንን እዚ እውን ምትእምማን ብምፍጣር ምስሕሓብ ንምትራፍ ከምዝሕግዝ ሓቢሮም።

ብተወሳኺ ሃገራት ተፋሰስ ኣብ ኢንቨስትመንትን ድሕንነት ማይን ዘለወን ርክብ ንምሕዳስ ከምዝሕግዘን ኣፍሊጦም።

ደቡብ ኣፍሪካ ሰለስቲአን ሃገራት ኣብ ምርድዳእ ንክበፅሓ እትገብሮ ንዘላ ፃዕሪ ሕብረት ኣውሮፓ ከምዝድግፍ ድማ ገሊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.