Fana: At a Speed of Life!

ሕብረት ኣውሮፓ ንፕሮጀክት ሓለዋ ብዝሃ ህይወት ቦማ-ጋምቤላ ዝኸውን 4 ነጥቢ 4 ሚሊየን ዩሮ ሓገዝ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕብረት ኣውሮፓ ንፕሮጀክት ሓለዋ ብዝሃ ህይወት ቦማ-ጋምቤላ ዝኸውን 4 ነጥቢ 4 ሚሊየን ዩሮ ሓገዝ ገይሩ።

እቲ ሓገዝ፥ ኢጋድ ኣብ ደቡብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝሰርሖ ዶብ ተሳጋሪ ሓለዋ ከባቢ ንምሕጋዝ ዝዓለመ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ዋና ፀሓፊ ኢጋድ ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁን ልኡኽ ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ጂቡቲ ኣምባሳደር ኤይዳን ኦሃራ ፈሪሞምዎ፡፡

ዶክተር ወርቅነህ ድሕሪ እቲ ስምምዕነት ከምዝበሉዎ፥ ኣብ ሞንጎ ኢጋድን ሕብረት ኣውሮፓን ዘሎ ናይ ነዊሕ እዋን ርክብ እናጠንከረ መፂኡ ኢዩ፡፡

ብሓበራዊ ተበግሶ እቲ ሕብረትን ኢጋድን ዝተበፅሐ ስምምዕነት ከምዝኾነ ዝገለፁ እቶም ዋና ፀሓፊ፥ ፅቡቓት ነገራት ንምቕፃልን ዘንፀላለዉ ዞባዊ ማሕለኻታትን ንምፍታሕ ከምዝሕግዝ ኣብሪሆም።

ኣምባሳደር ኤይዳን ኦሃራ ብግደኦም፥ ኢጋድ ኣብ ሓለዋ ከባቢ ዶብ ተሳጋርቲ ከባቢታ ዝገብሮ ዘሎ ፃዕሪ ንኢዶም፡፡

ኣብ እዋን ኣተገባብርኡ ድማ ማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ዘሳትፍ ክኸውን ከምዝግበኦ ኣገንዚቦም፡፡

መልክኣ ምድሪ ቦማ- ጋምቤላ ኣብ ዶብ ደቡብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝርከብ እንትኸውን፥ ዝተፈላለዩ እንስሳ ዘገዳም ከምኡ እውን ሓደጋ ምጥፋእ ዘንፀላለዎም ብርቂ እንስሳትን ከምዝሓዘ ሓበሬታታት የረድኡ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.