Fana: At a Speed of Life!

ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ትግራይ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰል ኣመልኪቱ ዘመሓላለፎ ውሳነ እናተካየደ ኣብ ዘሎ ከይዲ ምፅራይ ኢድ ምእታዊ ኢዩ – ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍቢሲ)ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ትግራይ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰል ኣመልኪቱ ዘመሓላለፎ ውሳነ እናተካየደ ኣብ ዘሎ ከይዲ ምፅራይ ኢድ ምእታዊ ከምዝኾነ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣፍሊጡ።

መንግስቲ ፌዴሪኢ ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ትግራይ ኣብ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰል ኣመልኪቱ ዘመሓላለፎ ውሳነ ከምዘሕዘኖ ገሊፁ።

እቲ ሚኒስቴር ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፥ ኣብ ክልል ትግራይ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ኣብ ዝተኻየደሉ እዋን ተፈፂሞም ዝተብሃሉ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ንምፅራይ ካብ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት መንግስታትን ምስ ዝተውፃእፅኡ ኣካላት ብምትሕብባር መርማሪ ጉጅለ ንምውፋር መንግስቲ ምስምዕምዑ ተመልኪቱ፡፡

እቲ ሓበራዊ ጉጅለ ኣብዚ ዓመት ወርሒ ጉንበት ምርመራ ዝጀመረ እንትኸውን፥ ነሓሰ 2021 ስርሑ ክዛዝም ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን እውን ወታደራዊ ስርዓት ፍትሒ፣ ሰብ መዚ መኽበርቲ ሕጊ፣ መርመርቲን ዓቀብቲ ሕጊን ፌዴራል ብምውዳድ ምርመርኡ ብስፍሓት እናተገበሩ ከምዝኾኑ ኣገንዚቡ።

ሕብረት ኣውሮፓ እቲ ውሳነ ቅድሚ ምሕላፉ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ እቲ ውሳነ ሓሳብ ዝምልከት ዘቕረቦ ቅርታ ኣብ ውሽጢ ግምት ከምዘየእተወ ገሊፁ።

እቲ ውሳነ ኣዚዩ ዝቀልጠፈነን እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ዝተዋደደ ምርመራ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ኢድ ምእታው ከምዝኾነ እቲ ሚኒስቴር ኣመልኪቱ።

መንግስቲ እቲ ጉዳይ ንኽፃረ ኣድላዪ ምትሕብባር እገበረ ኣብ ዝርከበሉ እዋን ውሳነ ምምሕልላፉ ግቡእ ከምዘይኮነ እውን ገሊፁ።

እዚ ኹሉ ፃዕሪ እናተገበረ ኣብ ዝርከበሉ ውሳነ ምምሕልላፉ ሞራላዊ ይኹን ሕጋዊ መሰረት ከምዘይብሉ ብምግላፅ፤ “እቲ ውሳነ ፖለቲካዊ ድሌት ከምዘለዎ ዘንፀባርቕ ኢዩ” ኢሉ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.