Fana: At a Speed of Life!

ሕብረት ኣፍሪካ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ንኽሳለጥ ጎንፂ ጠጠው ንምባል ምውሳኑ ንኢዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕብረት ኣፍሪካ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ንኽሳለጥ ጎንፂ ጠጠው ንምባል ምውሳኑ ንኢዱ።

ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሙሳ ፋኪ መሃመት፥ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ንኽሳለጥ ጎንፂ ጠጠው ንምባል ምውሳኑ ብምንኣድ መግለፂ ኣውፂኦም።

ኣብቲ መግለፂኦም ከምዝሓበሩዎ፥ ውሳነ መንግስቲ ኣብቲ ክልል ሓገዝ ንዝደልዩ ዜጋታት ሓገዝ ንምብፃሕ ኣድላዪ ስለዝኾነ እቲ ኮሚሽኑ ብእወንታ ከምዝስዶ ኣገንዚቦም።

ኩለመዳይን ብድርድር ዝመፅ ምቁራፅ ተኹሲንናብ ኩሎም ወገናት ንኽበፅሕ ሕብረት ኣፍሪካ ፃዕሩ ከምዝቕፅል ኣፍሊጦም።

እቲ ሕብረት ነቲ ጉዳይ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፥ ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝን መሓዙት ኣካላትን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ህፁፅ ሓገዝ ንዘድልዮም ዜጋታት ዝገብሩዎ ሓገዝ ኣጠናኺሮም ንኽቕፅሉ ፃውዒት ኣቕሪቡ፡፡

ምስ እዚ ተተሓሒዙ ፍሉይ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪካ እቲ ሕብረት ነበር ፕሬዚዳንት ናይጄሪያ ኦሉሴጉን ኦባሳንጆ ምስ ኩሎም ወገናትን መዳርግቲ ኣካላትን ብምስራሕ እቲ ጎንፂ ብቕልጡፍ ንምቁራፅ ዝጀመሩዎ ፃዕሪ ንኽቕፅ ኣገንዚቦም።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.