Fana: At a Speed of Life!

ሕብረት ኣፍሪካ ብናይ ሕሶት ሰነድ ካብ ሒሳብ ባንኩ ገንዘብ ንምውቅፃእ ዝተገበረ ፈተነ ኮኒኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕብረት ኣፍሪካ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 15 ሚያዝያ 2024 ኣብ ዋና ቤት ዕዮኡ ካብ ዝርከብ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ብናይሕሶት ሰነድ ገንዘብ ንምዝውዋር ዝተገበረ ፈተነ ኮኒኑ፡፡

እቲ ጉዳይ ኣስመልኪቱ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ሰራሕተኛታት ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያን ዳይሬክቶሬት ፋይናንስ እቲ ሕብረትን ዝኾነ ይኹን ገንዘብ ከይወፅእ ብምግባር ዝተሃቀነ ፈተነ ምጭብርባር ንምፍሻል ዝወሰዱዎ ቅልጡፍ ስጉምቲ ናእድኡ ገሊፁ።

ኣብቲ እዋን ዝተፈጠረ ፍፃመ ድማ ተቖፃሪ ሕብረት ኣፍሪካ ብዘይኮነ ውልቀሰብ ኣብ ውሽጢ ዋና ቤት ዕዮ ሕብረት ኣፍሪካ ናብ ዝርከብ ጭፈር ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ናይሕሶት ትእዛዝ መዘዋወሪ ክፍሊት ከምዘቕረበ ኣመልኪቱ።

እቲ ሕብረት ከምዝገለፆ፤ እቶም ትእዛዛት መዘዋወሪ ክፍሊታት ኣብ ትሕቲ ስራሕቲ ህንፀትን ኳዕቲ ማይን ንዝተፈላለዩ ኣካላት ዝኽፈል ልዕሊ 6 ሚሊየን ዶላር ዝኾነ ብዙሕ ገንዘብ ዝሓትቱ ሰነዳት ኢዮም ነይሮም፡፡

ይኹን እምበር ዳይሬክቶሬት ፋይናንስ እቲ ሕብረትን ኣብቶም ሰነዳት ብዝገበሮ ጥንቃቄቐ ዝተመልኦ ምርመራ÷ እቶም ሰነዳት ናይሕሶት ኮይኖም ብምርካቦም ዝኾነ ይኹን ገንዘብ ከይወፅእ በምግባሩ እቲ ሕብረት ካብ ክሳራ ምድሓን ከምዝተኽኣለ ኣመልኪቱ፡፡

ሓበሬታ ዝበፅሖም ሓለፍቲ ፀፅታ ኢትዮጵያ እቲ ውልቀ ሰብን ኣብ ተግባር ምጭብርባር ዝተሳተፉ ተሓባበርቲን ኣድላዪ ከይዲ ምርመራ ንምግባር ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዘውዐሉዎም ገሊፁ፡፡

ዝተፈነወ ፈተነ ምጭብርባር ዝኾነነ ሕብረት ኣፍሪካ፤ እቲ ጉዳይ ብልዑል ትኹረት እናተኸታተሎ ምዃኑ እውን ኣብ መግለፂኡ ኣመልኪቱ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.