Fana: At a Speed of Life!

ሕብረ ብሄራዊ ሓድነት ዝተንፀባረቐሉ ዓወት ዓድዋ ቀንዲ መግለፂ ሰዓራይነት ብምዃኑ ናይ ዓበይቲ ህዝቢ ዓቢዪ በዓል ኢዩ – ኣይተ ኣደም ፋራህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሕብረ ብሄራዊ ሓድነት ዝተንፀባረቐሉ ዓወት ዓድዋ ቀንዲ መግለፂ ሰዓራይነት ብምዃኑ ናይ ዓበይቲ ህዝቢ ዓቢዪ በዓል ከምዝኾነ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣይተ ኣደም ፋራህ ተዛሪቦም።

ኣይተ ኣደም ፋራህ፥ ኢትዮጵያውያን ቅድሚ 125 ዓመት ዝመፅኦም ናይ ወፃኢ ወራሪ ሓይሊ ንምምካት ብወነ ሓድነትን ፍቕሪ ሃገርን ተለዓዒሎም ናይ ሓባር ውፅቶም ዝኾነ ዓወት ብምምዝጋብ ንኣፍሪካውያንን ኩሎም ፀለምቲ ህዝቢታት ዓለምን ተምሳሌት መንፈስ ሰዓራይነትን ዝዓበየ ዓበት ዓድዋ ኣበርኪቶም ኢዮም ኢሎም።

223 ለካቲት ኣብ ኢትዮጵያ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ኩሉ ኣፍሪካን ዓለምን ዝርከቡ ፀልምቲ ህዝቢታት፣ ጩራ መንፈስ ሰዓራይነትን ናፅነትን ዝተረኣየሉ መዓልቲ ስለዝኾነ፥ ዓወት ዓድዋ ንወለዶታት ብምምሃር ብስነ- ልቦና ዝተረኸበ ዓወት ኣብ ኢኮኖሚ ንኽድገም ምስራሕ ከምዝግባእን ኩሉ እዋን ክውደስን ክዝከርን ከምዘለዎ ኣገንዚቦም።

ኢዮጵያ ኣብ መድረኽ ዓለም ሽማ ንኽገንን ካብ ዝገበሩዋ ሓደ ዓወት ዓድዋ እንትኸውን፥ ክብረ በዓል ዓወት ዓድዋ ንብሄር ብሄረሰባት ኢትዮጵያ ናፅነት ጥራሕ ዘይኮነስ ኣርማ ብዙሕነትን ጥንካረን ስለዝኾነ ፍልፍል ምርምርን መፅናዕቲን ንኽኸውን ምስራሕ ይግባእ ኢሎም።

ካብ ዓወት ዓድዋ ብምምሃር ድማ ህብረ ብሄራዊ ሓድነታ ብምጥንኻር ሓዱሽ ክታም ታሪኽ ንምንባር ብምትሕብባር ምስራሕ፥ ንኢትዮጵያ ዓባይ ሃገር ምዃና ብተግባር እናረጋገፀት ትኸይድ ኣፍሪካዊት ሃገር ከምዝገብራ እውን ተዛሪቦም።

ተምሳሌት ይከኣል ኢዩ ካብ ዓወት ዓድዋ ብምምሃር በቢእዋኑ እታ ሃገር ዘጋጥሙዋ ፈተናታት ብዓወት ምውፃ ከምዝግባእ እውን ኣተሓሳሲቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.