Fana: At a Speed of Life!

ሕቶ ምክፋል ቀይሕ ባሕሪ ኢትዮጵያ ዞባዊ ምትእስሳር ምብራቕ ኣፍሪካ ዘጠናኽር ኢዩ – ላውረንስ ፍሪማን (ፕ/ር)

ኣዲስ ኣበባ ፣ 18 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕቶ ምክፋል ቀይሕ ባሕሪ ኢትዮጵያ ዞባዊ ምትእስሳር ምብራቕ ኣፍሪካ ዘጠናኽር ከምዝኾነ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ተንታኒ ፖለቲካን ኢኮኖሚን ዝኾኑ ላውረንስ ፍሪማን (ፕ/ር) ገሊፆም።

ላውረንስ ፍሪማን (ፕ/ር) ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝገበሩዎ ፃንሒት÷ ሕቶ ምክፋል ቀይሕ ባሕሪ ኢትዮጵያ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪካ ናብ ጎንፂ ዘይኮነስ ናብ ሃፍቲ ዘስጉም ኣብ ሂብካ ምቕባል ዝተመርኮሰ ኢዩ ኢሎም።

ከም ቀይሕ ባሕሪ ዝበሎ መስመራት ባሕሪ ካብ ዘለዎም ጂኦ ፖለቲካዊ ረብሓ ሓሊፉ ዞባዊ ምትሕብባር ንምጥንኻርን ኩለመዳይ ምዕባለ ቁጠባዊ ሃፍቲ ንምቅልጣፍ ጠቐምቲ ከምዝኾኑ እውን ኣብሪሆም።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ሞንጎ ሃገራት እቲ ዞባ ልምዓት ንምርግጋፅ ምቹ ኩነታ ዝፈጥር ከምዝኾነ ገሊፆም።

ጠለብን ድሌትን ምጥቃም በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ግቡእነት ዘለዎ ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።

ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ሞንጎ ህዝቢታት ምብራቕ ኣፍሪካ ዕቤት ኢኮኖሚ ንምውሳኽ ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ ፀሪሖም።

ብምዃኑ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካ ሕቶ ኣፍ ደገ በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ብእወንታዊ መልክዑ ብምግንዛብ ንተፈፃምነቱ ብሓባር ክሰርሓ ከምዝግባእኣገንዚቦም።

ብቃለኣብ ግርማ

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.