Fana: At a Speed of Life!

ሕቶ በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ እዋናዊን ዓቕሚ ሎጂስቲክስ ተሓሳቢ ዝገበረን ከምዝኾነ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕቶ በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ እዋናዊን እናዓበየ ዝመፅአ ዓቕሚ ሎጂስቲክስ ተሓሳቢ ዝገበረን ከምዝኾነ ዋና ዳይሬክተ በዓል መዚ ማሪታይም ኢትዮጵያ ኣብዱልበር ሸምሱ ገፆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ቀረባ እዋን ንኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ÷ በሪ ባሕሪ ናይ ሓንቲ ሃገር ሓፈሻዊ ዕቤት ፍርያት ካብ 25 ክሳብ 30 ሚኢታዊ ክብ ከምዘብሎ መፅናዕቲ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ፀሪሖም ገሊፆም ነይሮም፡፡

ብመንፅር እዚ ልዕሊ 90 ሚኢታዊ ዝኸውን ኣታዊን ወፃኢን ንግዳ ብጅቡቲ ኣቢላ እትውግን ኢትዮጵያ በሪ ባሕሪ ብምስኣና ምኽንያት ኣብ ዓመት 1 ነጥቢ 6 ቢሊየን ዶላር ንኽይ ወደብ ትስእን፡፡

ዋና ዳይሬክተ በዓል መዚ ማሪታይም ኢትዮጵያ ኣብዱልበር ሸምሱ ነዚ ኣመልኪቶም ከምዝበሉዎ÷ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኢትዮጵያ 9 ኩለመዳይን 2 ነዳዲ ዝፅዕና መራኽብን ወፃኢን ኣታዊን ንግዲ እታ ሃገር ንምስላጥ እናተሰርሑ ይርከቡ፡፡

ይኹን እምበር በሪ ባሕሪ ብዘይምህላዉ ኣብ ዓውዲ ሎጂስቲክስ ልዑል ፅዕንቶ ከምዝፈጠረ ኣብሪሆም፡፡

በሪ ባሕሪ ዘይምህላዉ ብፍላይ ኢትዮጵያ ናብ ወፃኢ ትልእኾም ከም ፍረምረ ዝበሉ ቀልጢፎም ዝበላሸዉ ፍርያታት ፅሬቶም ሓሊዮም ብቕልጡፍ ተበፃሕቲ ኣብ ምግባር ልዑል ፅዕንቶ እናፈጠረ ከምዝርከብ ተዛሪቦም።

እዚ ድማ ኣብ ተወዳዳራይነት ናይ ባዕሊ ዕንቅፋት ብምፍጣር ወፃኢ ንግዲ ንኽንኪ ከምዝገብር ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

ወደብ ብዘይምህላዉ ኣቑሑት ኣብ ዝወፅሉን ዝኣትዉሉን እዋን ኣብ ወደብ ዝህልዎም ፃንሒት ልዑል ወፃኢ ከምዘለዎምን እዚ ድማ ናህሪ ዋጋ ክፍጠር ከምዝግብርን እውን ኣመልኪቶም።

ሕቶ በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ናይ ሎጅስቲክ ወፃኢ ብምቅላል ተረባሕነት እቲ ዓውዲ ንምዕባይ ወሳኒ ግደ ከምዘለዎ ገሊፆም፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.