Fana: At a Speed of Life!

ሕቶ ፍትሒ ዜጋታት መልሲ ንኽረክብ እናተሰርሐ ምዃኑ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕቶ ፍትሒ ዜጋታት መልሲ ንኽረክብ እናተሰርሐ ምዃኑ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር ገሊፆም።

መፃረዪ ጉባኤ ጉዳያት ሕገ መንግስቲ ኣብ ዝምረሐሉ ሰነድ ረቂቕ ደምቢ ኣሰራርሓ ስነ ስርዓት ዝጠመተ ዘተ ይካየድ ኣሎ።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ዝተረኸቡ  ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር ከምዝበሉዎ÷ ኣብ ዝሓለፉ እዋናት መፃረዪ ጉባኤ ጉዳያት ሕገ መንግስቲ ምስ ሕገ መንግስቲ ዝፃረሩ ኣሰራርሓታት ብምፅራይ ናብቲ ቤት ምኽሪ እናቕረበ ፀኒሑ ኢዩ።

እቲ ጉባኤ ኣብታ ሃገር ዝዓበየ ትካል ሕጊ ከምምዃኑ እቲ ስርዓት ኣሰራርሓ ምስንድኡ ትርጉም ዘድልዮም ውሳነ ሓሳባት ናብ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ብምቕራብ ካብ እዋን ናብ እዋን እናወሰኸ ዝመፅአ ሕቶ ፍትሒ ዜጋታት መልሲ ንኽረኽቡ ኣዚዩ ከምዝሕግዝ ኣብሪሆም።

ኣካቢ እቲ ጉባኤን ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌደራልን ቴዎድሮስ ምህረት ብግደኦም÷ “እቲ ጉባኤ ካብ ዝተጣየሸሉ ግዘ ጀሚሩ ብዙሓት ሕገ መንግስታዊ ጉዳያት እናመርመረን ውሳነ እናሃን ይርከብ” ኢሎም።

ዝቐርቡሉ ሕቶታት ትርጉም ሕገ መንግስቲን ጥርዓናትን ናይ ምፅራይ ስርሑ ብቅልጡፍን ብግልፂን ንምቕራብ ዝምረሐሉ ደንቢ ስነ ስርዓት ኣሰራርሓ ከምዝተሓንፀፀ ኣልዒሎም፡፡

ኣብቲ ደምቢ ስነ- ስርዓት ኣሰራርሓ ዝተፈላለዩ ልዝባት እናተኻዱ ከምዝፀንሑ እውን ገሊፆም፡፡

እቲ ረቂቕ ሰነድ ዘተ ምስተገበረሉ ናብ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ከምዝቐርብ ተገሊፁ፡፡

ብምንይችል ኣዘዘው

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.