Fana: At a Speed of Life!

ሕጊ ብምኽባር ወፍሪ ህዝቢ ትግራይ ቀዳማይ ተራባሒ ክኸውን ኢዩ-ቤ/ፅ ቀ/ሚኒስቴር

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ህዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መንግስቲ ፌዴሪኢ ንምኽባር ልዕልነት ሕጊን ገበነኛታት ንፍርዲ ንምቕራብን ዘለዎ ቁርፀኝነት ዳግም ከረጋግፅ ኢዩ ክብል ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስቴር ኣፍሊጡ።

ይኹን እንበር ሕጊ ናይ ምኽባር ምንቅስቓስ ኣብ ልዕሊ ብሄር ወይ ብካሊእ ውግንና ዘነፃፀረ ኢዩ ዝብል ዝተሰሓሓተ ሓሳብ ኣጥቢቑ የውግዝ ኢሉ እቲ ቤት ፅሕፈት ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ክልል ትግራይ ዝካየድ ሕጊ ናይ ምኽባር ስራሕ ብዋናነት ኢትዮጵያ ብምንጋዕ ኣብ ልዕሊ ዝተዋፈሩ ስርዓት ኣልባታት፣ ብተንኮልን ሴራን ኣብ ልዕሊ ዝተመልኡ ኣባላት ጉጅለ ህወሓት ዘነፃፀረ ምዃኑ ዝኾነ ይኹን ሰብ ክጠራጠር ኣይብሉን ኢሉ እቲ መግለፂ።

ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ከይተረፈ ዝኸፍአ በደል ናይ ዝፍፅም ጁንታ ህወሓት ሰንሰል ገበን ደው ንምባል መንግስቲ ፌዴራል ቆሪፁ ተላዒሉ ኢዩ ኢሉ።

በቲ ዝግበር ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ህዝቢ ትግራይ ቀዳማይ ተራባሒ ክኸውን ኢዩ ዝበለ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስቴር፥ ንኢትዮጵያ ዘለዎ ራእይ ብብዙሕነት ዝኾርዑ ብሄር ብሄረሰባት ብሓድነት ዝነብሩላ ዝማዕበለት ኢትዮጵያ ምርኣይ ከምዝኾነ ኣፍሊጡ።

ህዝቢ ትግራይ ህዝብና ኢዩ፤ ኣብቲ ህዝብና ምንም ዓይነት ክፉእ ነገር ንክበፅሕ ኣይንደልን፤ እዚ ዝገብሩ እውን ኣይንዕገስን ኢሉ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.