Fana: At a Speed of Life!

መለክዒ ፍተሻ ድሕንነት ብምምላእ ንከይኣቱ ዝተኸልከለ ድሮን ከምዘየለ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ትፅቢት ዝግበረሉ መለክዒ ፍተሻ ድሕንነት ብምምላእ ንከይኣቱ ዝተኸልከለ ድሮን ከምዘየለ ዋና ዳይሬክተር ኤጀንሲ ኢንፎርሜሽንን መረብ ድሕንነትን ዶክተር ሹመቴ ግዛዉ ገሊፆም።

እቶም ዋና ዳይሬክተር ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ከምዝበልዎ፥ ድሮን ናብ ውሽጢ ዓዲ እንትኣቱ ናይ ባዕሉ ዝኾነ ስርዓት ኣሰራርሓ ኣለዎ።

ክልል ትግራይ ሓዊሱ ዝተፈላለያ ክልላት ዘጋጠመን ዕስለ ኣንበጣ ንምክልኻልን ንምቁፅፅርን ዓሊመን ድሮን ንምእታው ንዘቕረብኡ ሕቶ ብመሰረት መምርሒ ይተኣናገዳ ከምዘለዋ እውን ሓቢሮም።

ይኹን እንበር ናብ ከልል ትግራይ ንከይኣቱ ዝተኸልከለ ድሮን ኣሎ ብዝብል ኣብዚ ሰሙን ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝተገለፀ ሓሳብ፥ ብቐዳምነት እቲ ድሮን ንመፅናዕቲን ሪቨርስ ኢንጂነሪነግን ዕላማ ተባሂሉ ዝመፅአ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ብምቕፃል ድማ ንመንፀጊ ኬሚካል ፀረ ፃህያይ ዕላማ ክውዕል ተባሂሉ እኳ እንተነበረ ኣብዚ ሰሙን ድማ ንምክልኻል ዕስለ ኣንበጣ ዕላማ ክውዕል ብዝብል ሕቶ ከምዝቐረበ ተዛሪቦም።

እቲ ኤጀንሲ ብመሰረት ነታ ድሮን ዝገበሮ ፍተሻ ድሕንነት፥ እታ ድሮን ናይ ኣጠቓቕማን ካልኦት ተመሳሰልቲ ጉዳያትን መግለፂ ዘይብላ ካብ ምዃና ብተወሳኺ ካብ እስራኤል ከምዝተልኣኸት እንተተገለፀ እውን ስራሓታ ካብ ቻይና ከምዝኾነት ከምዝተረጋገፀ ተሓቢሩ።

ስለዝኾነ ኣንበጣ ንምክልኻል ተባሂሉ ዝተሓተተት ድሮን ፍተሻ ድሕንነት ኣማሊኣ ብዘይምርካባ ፍቓድ ዘይተውሃባ ከምዝኾነ ኣረዲኦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.