Fana: At a Speed of Life!

መረፃ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ፀገም ፀፅታ ንምስላጥ ዝተዋደደ መሓውር ፀፅታ ኣብ ስራሕ ይርከብ- ዞባ ከፋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሰነ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)መረፃ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ፀገም ፀፅታ ንምስላጥ ዝተዋደደ መሓውር ፀፅታ ኣብ ስራሕ ከምዝርከብ መምርሒ ፖሊስ ፀፅታ ዞባ ከፋ ኣፍሊጡ።

ሓላፊ እቲ መምርሒ ኣይተ ሃብታሙ ኣለሙ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝገለፁዎ፥ ፅባሕ ኣብ ዝካየድ ሃገራዊ መረፃ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ፀገም ፀፅታ ንምክያድ ምድላው ተገይሩ ኢዩ።

እቲ ምድላው ቅድመ መረፃ፣ እዋን መረፃን ድሕሪ መረፃን ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ ሰለስተ ምዕራፋት ዝተዋደደ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ኣብቲ ዞባ ዝርከባ 7 ክልላት መረፃ 6 ስሩዓትን 1 ፍሉይ ክልል መረፃን፣ 461 ጣቢያታት መረፃ ከምዝርከባ ዝገለፁ ኣይተ ሃብታሙ፥ ኣብተን ጣቢያታት ሙሉእ ምድላው ውዳበ ፀፅታ ከምዝተገበረን ኣብተን ጣቢያታት ከምዝርከቡን ኣብሪሆም።

ኣብቲ ዞባ ክሳብ ሕዚ ዘጋጠመ ፀገም ፀፅታ ከምዘየጋጠመ ብምግላፅ እቲ ዝተዋደደ ከይዲ ሓለዋ ፀፅታ ድሕሪ መረፃ እውን ክቕፅል ኢዩ ኢሎም።

ብፍሬህወት ሰፊው

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.