Fana: At a Speed of Life!

መረፃ ናፃን ፍትሓዊን ንምግባር መዳርግቲ ኣካላት ብዘሳተፈ መልክዑ እናተሰርሐ ይርከብ – ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጉንበት፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)6ይ ሃገራዊ መረፃ ናፃን ፍትሓዊን ንምግባር መዳርግቲ ኣካላት ብዘሳተፈ መልክዑ እናተሰርሐ ምዃኑ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ፥ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ጄፍሪ ፌልትማንን ሴናተራት ኣሜሪካን እቲ መረፃ ናፃ፣ ፍትሓዊን ግልፂን ንምግባር አቲ ሃገራዊ መረፃ ቅድሚ ምክያዱ መሰረታዊ ለውጢታት ንኽካየድ ብፅሑፍ ዘቕረቡዎ ስምዕታ ኣመልኪቱ ብደብዳበ ምላሽ ሂቡ፡፡

28 ጉንበት 2013 ዓ.ም ዝሳለጥ ሃገራዊ መረፃ ካብ መጀመርትኡ ኣትሒዙ ተናሓናሕቲ ፓርቲታት ፖለቲካን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ንቑሕ ተሳትፎ እናገሩ ከምዝኾኑ ኣብቲ ደብዳቤኡ ምግላፁ ኢቢሲ ፀብፂቡ፡፡

ካብ ሞንጎ ሕጋዊ ፍቓድ ዘለዎም 49 ፓርቲታት ፖለቲካ ነቶም 48 ፓርቲታት ዝወከሉ 9 ሺሕን ሕፁያት ምውፋሮም፣ 32 ሃገር ለኸ ትካላት መረፃ ንምዕዛብ ፍቓድ ወሲዶም እናሰርሑ ከምዝኾኑ እቲ ቦርድ ኣፍሊጡ፡፡

ፓርቲታት ፖለቲካን ሕፁያቶምን ኣብ ከይዲ መረፃ ሃናፂ ግደ እናተፃወቱ ከምዝኾኑ ዝሓበረ እቲ ቦርድ፥ ኣብ መላእ ሃገር ስራሕቲ መረፃ ንምምራሕ ልዕሊ 100 ሺሕ ኣፈፀምቲ መረፃ እናተንቀሳቐሱ ይርከቡ ኢሉ፡፡

ናይዚ ዓመት ሃገራዊ መረፃ ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ብግልፅነት እናተመርሐ ከምዝኾነ ዝሓበረ እቲ ቦርድ፥ ቅድሚ ሕዚ ዝነበሩ ሃገራዊ መረፃታት ዝነበረ ፀገም ተኣማኒነት ንምፍታሕ ዘኽእል ስራሕ ከምዝተሰርሐ ኣብሪሁ፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን መረፃ ንምክያድ ካሊእ ሓዱሽ ሪፎርም ንኽግበር ዝቐረበ ሓሳብ ብመፅር ወፃኢን ግዘን ካልኦት ጉዳያትን ዝመዓድን ዝምረፅን ኣካይዳ ኣይኮነን ኢሉ፡፡

ስለዝኾነ ድማ እቲ ሃገራዊ መረፃ ንምክያድ ክሳብ ሕዚ ዝተኻየዱ ስራሕቲ ሪፎርም ብምጥንኻር ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ሕጊታት መረፃ ኣኽቢሮም ተሳትፎኦም ንኸጠናኽሩ ሓቲቱ፡፡

መንግስቲ ኣሜሪካ ብዩኤስ ኣይዲ ኣቢሉ ኢትዮጵያ እናካየዶ ዝርከብ ዴሞክራሲያዊ ስግግር እናገበሮ ዝርከብ ብዚሕ ሓገዝ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ምስጋና ኣቕሪቡ፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ ዴሞክራሲያዊ ስርዓት ጋህዲ ንኽኸውን ኣብ ቀፃሊ ዝግበር ሓገዝ ተጠናኺሩ ንኽቕፅል እቲ ቦርድ ኣብ ዝፈነዎ ደብዳበ ፃውዒት ኣቕሪቡ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.