Fana: At a Speed of Life!

መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪካ ብዛዕባ ግድብ ህዳሰ ንምዝታይ ሎሚ ኣኼባ ከካይዱ’ዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪካ ብዛዕባ ደንቢ ምምላእን ምስዳድን ማይ ግድብ ህዳሰ ብዝምልከት ንምዝታይ ሎሚ ሰሉስ “ብኦንላይን” ኣኼባ ከካይዱ’ዮም።

እቲ ኣኼባ ኣብ መንጎ ሃገራት ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብፅን ክካየድ ዝፀንሐ ሰለስቲኣዊ ዘተ ፍረ ስለዘይምፀአ’ዩ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪካ ክዛተይሉ ወሲኖም ዘለዉ።

ብመሰረት እዚ እቲ መድረኽ ፕሬዚዳንት ሕብረት ኣፍሪካ ሲሪል ራማፎሳ ዝመርሕዎ እንትኾን፥ ካብ ሰለስቲአን ሃገራት ብተወሳኺ ኣባል እቲ ጉባኤ ናይ ዝኾና መራሕቲ ኬንያ፣ ማሊን ዴሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎን ክሳተፉ ኢዮም።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ብሸምጋልነት ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያ፣ ግብፅን ሱዳንን ክካየድ ዝፀንሐ ሰለስቲኣዊ ልዝብ ህንፀት ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ብዘይውፅኢት ከም ዝተዛዘመ ይፍለጥ።

ኣብዚ እዋን እቶም መራሕቲ ኣፍሪካ፥ ሃገራት ኢትዮጵያ፣ ግብፅን ሱዳንን ፍትሓውን ርትዓውን ስምምዕ ንምብፃሕ ሓዲሽ መገዲ ከናድዩ ትፅቢት ይግበሮም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.