Fana: At a Speed of Life!

መራኸቢ ሓፋሽ ኢንተርኔት ኣብ ውሽጢ ማዕቐፍ ሕጊን ስርዓትን ኮይኖም ኣብ ዝግዝኡሉ ረቂቕ መምርሒ ዘድሃበ ልዝብ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 12 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መራኸቢ ሓፋሽ ኢንተርኔት ኣብ ውሽጢ ማዕቐፍ ሕጊን ስርዓትን ኮይኖም ኣብ ዝግዝኡሉ ረቂቕ መምርሒ ዘድሃበ ልዝብ ኣብ ሞንጎ በዓል መዚ መራኸቢ ሓፋሽ ኢትዮጵያ፣ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊን መዳርግቲ ኣካላትን ተኻይዱ።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ረቂቕ መምርሒ ሓበሬታን ረቂቕ መምርሒ ኣቀራርባ ስምዕታን መራኸቢ ሓፋሽ ኢንተርኔት ቀሪቦም ልዝብ ተኻይዱሎም፡፡

ብዙሓት ተዋሳእቲ እቲ ዘፈር ኣብ ዝተረኸቡሉ ዝተኻየደ መድረኽ ዘተ እንትኸውን፥ ብዘይሻራዊ ኣካላት ኣብ ዝተሰናድአ ረቂቕ መምርሒ እታወት ዝኸውን ሰፊሕ ርኢቶ ንምእካብ ዘኽኣለ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ መራኸቢ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ኣይተ መሓመድ፥ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢንተርኔት ተመዝጊቦም ፍቓድ ረኺቦም ኣብ ማዕቐፍ ሕጊ ኮይኖም እንተሰሪሖም ክረኽቡዎም ዝኽእሉ ዕድላት ከምዘለዉ ኣብሪሆም፡፡

በዓል መዚ መራኸቢ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ኣብ ቀፃሊ ብግልፂ ዘውፅኦ መደብ መሰረት ብምግባር ምዝገባ መራኸቢ ሓፋሽ ኢንተርኔት፣ ፍቓድን ኣፍልጦን ከምዝሳለጥ ካብቲ በዓል መዚ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.